Widgetized Section

Go to Admin » Appearance » Widgets » and move Gabfire Widget: Social into that MastheadOverlay zone

ፕሮፌሰር ፎቴን ኣባይ ተሸሊመን

መቐለ ጥቅምቲ 17/2010(ድወት) ፕሮፌሰር ፎትየን ኣባይ ሽልማት ብልፅቲ ተመራማሪት ኣፍሪካ ረኺበን።

እተን ፕሮፌሰር ኣብ ዋና ከተማ ማላዊ ሊሎንጌዌይ ይካየድ ኣብ ዘሎ ዓመታዊ ኣኼባ ፎረም ዞባዊ ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ኣብ ህንፀት ዓቕሚ ዓውዲ ሕርሻ (ሩፎረም) እየን ተሸላሚት ኾይነን።

ፕሮፌሰር ፎቴን ኣባይ ኣብ ምምሕያሽ ዘራእቲ እቲ ዓውዲ ብርክት ዝበሉ ምርምራት እናካየዳ ዝመፃ ኾይነን ዓለምለኻዊ ኣፍልጦ ክረኽባሎም ዝኽእሉ ዕውታት ስራሕቲ ምርምር ኣወፊየን እየን።

ካብዚ ብዝሰገረ ኣብ 2014ዓ.ም.ፈረንጂ ኣብ ሳይንስን ቴክኖሎጅን ብዘመዝገብኦ ብሉፅ ዓወት ተሸላሚት ሽልማት ኩዋሜ ንኩርማህ ሕብረት ኣፍሪካ ከምዝኾና ይፍለጥ።

ኣብዚ ሐዚ እዋን ድማ እተን ፕሮፌሰር ብዘካይድኦም ስራሕቲ ኣገልግሎት ማሕበረሰብ፣ መፅናዕቲ፣ ህንፀት ዓቕሚ ማሕበረሰብን ካልኦትን ብዝገበርኦ ኣበርክቶ ብልፅቲ ተመራማሪት ብዝብል ዘፈር ኣህጉራዊ ሽልማት ረኺበን ኣለዋ ክብሉ ዳይሬክተር ዓለምለኻዊ ጉዳያት ዩኒቨርሲቲ መቐለ ኣይተ ጎይተኦም ተገኝ ንድምፂ ወያነ ትግራይ ሓቢሮም።

ዞባዊ ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ኣብ ህንፀት ዓቕሚ ዓውዲ ሕርሻ (ሩፎረም) ኣብ 2004ዓ.ም.ፈረንጂ ዝተጣየሸ እንትኾን 66 ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ኣፍሪካ ብምሕቋፍ ምስ 26 ሃገራት ብምትሕብባር አብ ምስራሕ ይርከብ።

እዚ ሩፎረም ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ዓቕምን ቑጠባዊ ተጠቃምነትን ሓረስቶት ኣብ ምርግጋፅ ክሰርሓ ሳይንሳዊ ሓገዛት ዝገብር ኾይኑ ዘላቒ ዝኾነ ኹለመዳያዊ ለውጢ ኣብ ምምፃእ ትኹረት ይገብር።

ኣብዚ ኣህጉራዊ ጥምረት ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ካብ ኢትዮጵያ ዩኒቨርሲታት መቐለ፣ ጅማን ሃሮማያን ጥራሕ እዮም ኣባላት።

ኣብዚ ዓመት ኣብ ማላዊ ኣብ ዝተኻየደ መበል 13 ጉባኤኡ ድማ ኣብ ዩኒቨርሲቲ መቐለ ምኽትል ፕረዝደንት ቤት ፅሕፈት ምርምርን ማሕበረሰባዊ ኣገልግሎትን ፕሮፌሰር ፎቴን ኣባይ ሸሊሙ ኣሎ።