Widgetized Section

Go to Admin » Appearance » Widgets » and move Gabfire Widget: Social into that MastheadOverlay zone

መግለፂ ኮሚቴ መተሓባበሪ ሃንደበታዊ ተፈናቐልቲ ተጋሩ ነሓሰ 28/2008 ዓ.ም

ha

ንልዕሊ 40 ዓመት ኣብ ጎንደርን ከባቢኣን መነባብርኦም ዝገበሩን ዝተዋለዱን ተጋሩ ካብ ቤቶምን ንብረቶምን ብሃንደበታዊ ጉዑዙይ ስብከት ኢህአፓን ፀረ ሰላም ሓይልታትን ብዝተኻየደ ናይ ዘርኢ ምጥፋእ ፕሮፖጋንዳ ብዝተወለዐ ረብሻ ኣብ ልዕሊ ተጋሩ ዘነፃፀረ ሕሱም ምጥቃዕቲ ብምክያዱ ልዕሊ 4 ሺሕ ወገናት ብሱዳን ፣ማይካድራ፣ዳንሻን ማይ ፀብርን ኣቢሎም ናብ ክልሎም ትግራይ ኣትዮም ኣለዉ። ኣብዚ ሐዚ እዋን ኣብ ሑመራ፣ዳንሻ፣ወልቃይት፣ሽረ፣ኣኽሱምን መቐለን ዝርከቡ ኾይኖም ኣድላይ ዘበለ ድጋፍ እናተገበረሎም ይርከብ።
ካብዚኣቶም ናይ መንግስቲ ሰራሕተኛ ዝኾነ ብሰንኪ እቲ ግዝያዊ ዕግርግር መሃያ ዘይወሰዱ ምስ ቢሮ ስቪል ሰርቪስ ክልል ትግራይ ብምዃን መሃየኦም ኣብ ሓፂር እዋን ክረኽቡ ክግበር እዩ።ብተመሳሳሊ ንዚ ፀገም ዝተቓለዐ ወገን ኹሉ 4.500 ብር ንሓደ ስድራ ክወሃብ እዩ።
ክልል መንግስቲ ምስ ኹለን ቤት ዕዮ ክልል ሓቢሩ እናሰርሐ ዘሎ እንትኸውን ክሳብ ሐዚ ልዕሊ 5 ሚልዮን ብር ብሰንኺ ዝተፈጥረ ኹነት ንዝተጎሳቆሉ ወገናት ወፃኢ ገይሩ እዩ።
እዚ ኣብ ልዕሊ ተጋሩ ዘነፃፀረ መሪር በደል ቀፃልነት ከይህልዎን ብዕሸሉ ከሰክንን ፌደራልን ክልል መንግስትን ኣበርቲዖም እናሰርሑ እንትኾኑ ብፍላይ ድማ ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ንዝተጎሳቆሉን ዝተጎድኡን ዝገብሮ ሓገዝ ኣበርቲዑ እናሰርሐ ይርከብ።
ኣብ ቐፀልቲ እዋናት ፀገም ዝበፅሖም፣ሃፍትን ንብረትን ዝዓነዎም፣ ንሞትን መቁሰልቲን ዝተቃለዑ ወገናት ኣድላይ ዘበለ ድጋፍ ከም ዝግበርን ብፍላይ ድማ ዝነበሮም ሃፍትን ንብረትን ዝሰኣኑ ወገናት ሙሉእ ብምሉእ ፌደራል መንግስቲ ምስ ክልል መንግስቲ ብምዃን ዝነበሮም ኸምዝኽሕስ ክግበር እዩ።
ይኹን ዳኣምበር ሓደሓደ ፀረ-ሰላም ሓይልታትን ኣብ ውሽጥና ዘለዉ ወነንቲ እከይ ተግባርን ክልል መንግስቲ መሬት ከም ዝዕድሎም ወረ እናናፈሱ ስምዒትን ኣተሓሳስባን ተፈናቐልቲ ዝተዛበዐ ኣንፈት ክትሕዙ እናተገበረ ስለ ዝኾነ ክልል መንግስቲ ትግራይ ፉሉይ መሬት ከምዘየዳለወን ኸምቲ ኹሉ ትግራዋይ ማዕረ ረብሓ ክረክብ ምኳኑ ክፈልጥ ይግባእ።
ኣብ መወዳእታ እዞም ብሰንኪ ፀረ-ሰላም ሓይልታትን ዝተሳቐዩ ኣደዳ ፀርፊን መግረፍትን ከምኡ ድማ ሞትን መቁሰልቲን ዝበፅሖም ወገናት ስለ ዝኾኑ ኣድላይ ዘበለ ዜግነታዊ ድጋፍ ካብ ሕብረተሰቦም ስለ ዝፅበዩ ንዚ ልዋም ባህሊ ሓልዮታዊ ድጋፍኹም ክትህብዎም ንላቡ።
ኣብ ወፃኢን ውሽጢ ዓድን እትርከቡ ወገናት ንዞም ብሕሱም በደል ካብ ቤተ-ንብረቶም ዝተፋናቐሉ ተጋሩ ናይ መንግስቲ ጉዳይ ጥራሕ ስለዘይኾነ ድጋፍ ንምሃብ ሓበሬታ ዝሃብኹምና እናመስገና ኣብ ቐረባ እዋን ባንክ ቑፅሪ ክሳብ ዝዋሃብ ኣብ ጎኒ ህዝብኹምን መንግስትኹምን ጠጠው ክትብሉ ንላቦ።
ሐዚ ልዕሊ 2 ሽሕ ተፈናቐልቲ ብሱዳን ኣቢሎም ናብ ትግራይ ከምዝኣትዉ ትፅቢት ዝተገበረ እንትኸዉን ናብ ትግራይ ዘይኣተዉ ዘይተመዝገቡ ወገናት ኣብ ኩለን ወረዳታት ትግራይ ዝርከባ ቤት ዕዮ ሰራሕተኛ ማሕበራዊ ጉዳይ እናኸዱ ክምዝገቡን ዘድልዮም ድጋፍ ክረኽቡን ሓበሬታና ንህብ ሰላም፡፡