Widgetized Section

Go to Admin » Appearance » Widgets » and move Gabfire Widget: Social into that MastheadOverlay zone

መግለፂ ማእኸላይ ኮሚቴ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ /ህወሓት/

12115625_1056329221086008_873510938163524526_n

ማእኸላይ ኮሚቴ ህወሓት

መስከረም 2009

         መቐለ

 መግለፂ ማእኸላይ ኮሚቴ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ /ህወሓት/

ማእኸላይ ኮሚቴ ህወሓት ካብ መስከረም 09-13/2009 ዓ/ም ስሩዕ ኣኼብኡ ኣካይዱ ኣሎ፡፡ ኣብዚ ዘካየዶ ስሩዕ ኣኼብኡ ዓወታት ጉዕዞ ህዳሴናን ኣብ ውድብና ዘለው ሓደጋታትን ፈተናታትን፣ ምንጮም፣ ፖለትካዊ ትርጉሞምን መፍትሒኦምን ኣብ ዝብሉ ዛዕባታት ተደሪኹ ብዕሙቀት ገምጊሙ ስሩዕ ኣኼብኡ ብዓወት ዛዚሙ ኣሎ፡፡

ማእኸላይ ኮሚቴ ህወሓት ኣብዞም ዝሓለፉ 15 ናይ ተሃድሶ ዓመታት ዘመዝገቦም ዓወታት እንትግምግም ህዝቢ ትግራይ ኣብ ፅላል ልምዓታዊን ዲሞክራሲያዊን መስመር ውድቡ ዓሲሉ ብመስተንክራዊ ናይ ዕላማ ፅንዓት ኣብ ጉዕዞ ቓልሱ ብዘጋጥምዎ ሕልኽላኻትን ብድሆታትን ካብ መንገዱ ከይተመዛበለ ብሓያል ዝተወደበ ተሳትፍኡ ኣብ ገጠርን ከተማን ኣብ ዙርያ ልምዓት፣ ዲሞክራሲን ሰላምን ኣንፀባረቕቲ ዓወታት ብምርግጋፅ ህዝባዊነት መስመር ተሃድሶና ህያው ከምዝገበረ ኣረጋጊፁ እዩ፡፡

ኣብ ገጠር ዝነብር ህዝቢ ትግራይ መነባብርኡ ንምቕያር ብውድቡ ህወሓት/ኢህወዴግ ዝተሓንፀፀ ሕርሻ ዝመርሖ ስትራተጂ ልምዓት ንምትግባር ብዝተወደበ ልምዓታዊ ሰራዊት ኣብ ዝገበሮ ቓልስን ምንቅስቓስን ጭቡጣት ዓወታት ኣረጋጊፁ እዩ፡፡ ነታ ብኹናትን ድርቅን ዝተጎሳቖለት ትግራይ ብሓምለዋይ ልምዓት ንምቕያር ኣብ ስራሕቲ ሃፍቲ ተፈጥሮ ብዝወለዖ ናይ ሓፋሽ ዝተወደበ ምንቅስቓስን ዝተረኸበ ተኣምራዊ ውፅኢትን ንናይ ሕርሻን ገጠር ልምዓትን ስራሕትና መሰረት ከምዘንፀፈን ፍልፍል ብሉፅ ተሞክሮ እናኾነ ከምዝመፀን ተረጋጊፁ ኣሎ፡፡ ኣብ ስራሕቲ ሃፍቲ ተፈጥሮ ዝተረኸበ ዓወትን ውፅኢትን ጎቦታትና ብሓምለዋይ ልምዓት ምሽፋን ጥራሕ ዘይኮነስ ናይ መስኖ ዓቕምታትና ንኽጉልብትን ድርቂ ዝፃወር ቁጠባ ሕርሻ ትግራይ እናተሃነፀ ክኸይድን ኣብ ምግባር ዝለዓለ ተራ ከምዝነበሮ እውን ኣረጋጊፁ ኣሎ፡፡ ሓረስታይ ናይ ቴክኖሎጂ ኣድላይነትን ረብሓን እንዳተረደአን ኩሉ ዓይነት ናይ መንግስቲ ድጋፍ እናረኸበን፣ ብዘነፀርናዮ ናይ ሕርሻ ኤክስቴሽን ስርዓት ተደጊፉ ፍርያቱ ዘዕብየሉን ብቐንዱ ድማ ንዕዳጋ ሓሲቡ ናብ ዘፍርየሉን ኩነታት ይሰጋገር ኣሎ፡፡ ብውፅኢቱ ድማ ኣብ ሓረስታይ ትግራይ ትማሊ ዘይነበረ ሓዱሽ ሃፍቲ ምፍጣር ተጀሚሩ ኣሎ፡፡

መስመር ተሃድሶና ኣብ ገጠር ጥራሕ ከይተሓፀረ ንናይ ከተማ ህዝብና ናብራ ኣብ ምቕያር ቑልፊ ብፅሒት ዘለዎ ስትራተጂ ልምዓት ደኣንት ብምሕንፃፅን ተግባራዊ ብምግባርን እውን ኣብ ስራሕቲ ከተማ ልምዓት ተስፋ ዝህብ ለውጢ ኽምዝግብ ጀሚሩ ኣሎ፡፡ ብውፅኢቱ ድማ ኣብ ከተማታትና ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቑፀሩ መናእሰይ ስራሕ ከይነዓቑ መስመር ተሃድሶና ዝፈጠረሎም ዕድል ተጠቒሞም ብፃዕሮምን ራሃፆምን ናብረኦምን ናብራ ነባራይ ከተማታትናን እናተመሓየሸ ክኸይድን ከተማታትና ማእኸል ኢንቨስትመንትን ንግድን ንክኾና መሰረት የንፅፋ ምህላዎም ብዕምቆት ተገምጊሙ ኣሎ፡፡

ኣብ ማሕበራዊ ልምዓት እውን ንፓኬጅ ፅሬት ትምህርቲ መሰረት ብምግባር ድሕረትን ድኽነትን ብናይ ፍልጠት ጥይት እዩ ዝቕተል ብዝብል ቴማ ዝተወለዐ ምንቅስቓስ ሓፋሽ ምኽንያት ሎሚ ኩሎም ህፃናት ትግራይ ኣብ መኣዲ ትምህርትን ፍልጠትን ዝውዕልሉን ትምህርቲ መሰረት ምዕባለና ዝኾነሉን ኹነታት ይፍጠር ኣሎ፡፡ ኣብ ስራሓቲ ጥዕና እውን ብተመሳሳሊ ምኽልኻል ማእኸሉ ዝገበረ ፓኬጅ ጥዕና  ንምትግባር ብደ/ኣንስትዮ ትግራይ ዝተወለዐ ማሕበራዊ ምንቅስቓስ ጥዕንኡ ዝሓለወ መፍረይ ዜጋ ንምህናፅ ኣብ ዝግበር ዘሎ ምርብራብ ህዝባዊነት መስመር ተሃድሶና ዝተገሃደሉ ተግባር  ከም ዝኾነ ኣረጋጊፁ ኣሎ፡፡

ኣብ ሃገርና ይኹን ክልልና ዱልዱል ሕገ መንግስታዊ ዲሞክራሲያዊ ስርዓት ንምህናፅ ብዝተኻየደ ፃዕሪ ህዝብና ዲሞክራሲያዊ ባህሉ ዘማዕብለሉን ዲሞክራሲያዊ ትካላት ዝጠናኸራሉን ስራሕቲ ምስላጦምን ንዘተኣማምን ሰላም መሰረት ከም ዝተነፀፈን ገምጊሙ እዩ፡፡

ብሓያልነት ልምዓታዊን ዲሞክራሲያዊን መስመርናን  ተቃላሳይ ህዝብና ኣብቲ መስመር ዓሲሉ ብዝገብሮ ተሳትፎን እዞም ልዕል ኢሎም ዝተገለፁ ዓወታት ዋላ እኳ እንተረጋገፅና ብሓደ ገፅ ብምኽንያት ባዕሉ እቲ ዘረጋገፅናዮ ዓወት ዝፈጠሮም ተወሰኽቲ ሕ/ሰባዊ ጠለባት ብኣግባቡ ብዘይምምላስና፣ ብኻሊእ ገፅ ድማ ነቶም ኣብ እዋን ተሃድሶና ዘነፀርናዮም ናይ ስርዓትና ሓደጋ  ኣተሓሳስባን ተግባርን ኣካብነት ክራይ ብፅንዓት እናመከትናን ካብ ምንጮም እናድረቕናን ብዘይምኻድና ነቲ ምርግጋፅ ጀሚርናዮ ዘለና ለውጢ  ንድሕሪት ክመልሱን ናብ ሓደጋ ከእትውናን ዝኽእሉ ጉድለታት ኣመራርሓ ከም ዘለውና እውን ማእኸላይ ኮሚቴ ህወሓት  ብዕምቆት ገምጊሙ ኣሎ፡፡

በዚ ምኽንያት እውን ኣብዚ ሐዚ ዘለናዮ ጭቡጥ ኩነታት ነቲ ምእንታን ፍትሒ ኢሉ ኹሉ ዓይነት መስዋእትነት ዝኸፈለ ህዝብና ሰናይ ምምሕዳር ክነንግሰሉ ብዘይምኽኣልና ዘማርረሉ ኩነታት ከም ዝተፈጠረ፣ ኩሎም ዓይነት ፀጋታትና ተጠቒምናን ዝለዓለ ትኹረት ብምሃብን ናይቲ እንሃንፆ ዘለና ሰርዓት ተረካቢ ዝኾነ መንእሰይ ብናይ ባዕሉ ዝተወደበ ተሳትፎ ተጠቃምነቱ ንምርግጋፅን ንኣጠቓላሊ ህንፀቱን ዝተገበረ ቓልስን ምንቅስቓስን ድኹም ከም ዝኾነ፣ ነተን ፍርቂ ኣካል ሕ/ሰብ ዝኾና ደቂ ኣንስትዮ ኩለመዳያዊ ተሳትፎአንን ተጠቃምነተንን ኣብ ምርግጋፅ

 

ጉድለት ምንባሩ፣ ብመንፅር ሽቶታት ዕብየትን መሰረታዊ ለውጥን በቲ ውድብናን ህዝብናን ትፅቢት ዝገበርሉ ደረጃ ከምዘየዐወትናን ናይ ህዝብና ዕግበት ከምዘየረጋገፅና ገምጊሙ ኣሎ፡፡

ኣብ ናይ ተሃድሶ መስመርና ናይ ውድብናን ስርዓትናን ቀንዲ ሓደጋ ፅግዕተኛ  ምብስባስ ወይ ክራይ ኣካብነት ከም ዝኾነን ኣብ ዕለታዊ ምንቅስቓስና ንፃት እውን ከይተዘናጋዕና እንተ ዘይተቓሊስናዮ ናብ ሓደጋ ከም ዘእትወና ብግልፂ ኣነፂርና ኣብ ቓልሲ ፀኒሕና ኢና፡፡ ይኹን እምበር ነዚ ሓደጋ ዝበልናዮ ናይ ክራይ ኣካብነት ተግባርን ኣተሓሳስባን ብዘየቋርፅ ቓልሲ እናመከትና ብዘይምምፃእና ምኽንያት ዝሓዝካዮ ስልጣን ንናይ ህዝቢ ረብሓን ኣገልግሎትን ኣብ ክንዲ ምውዓል ንውልቀ ረብሓኻን ክብርኻን መረጋገፂ ገይርካ ምውሳድ ምንጪ ኩሎም ጉድለታትና ኮይኑ ከምዘሎ ማእኸላይ ኮሚቴ ህወሓት ደሚዲሙ ኣሎ፡፡ ካብዚ ብዝብገስ ድማ ኣብ ውሽጢ ውድብ በቢግዚኡ ቦታ እናሓዘ ዝመፀ ፀረ-ዲሞክራሲ ኣረኣእያን ተግባርን፣ በለፅን ምክእኣልን ነቲ ኣብ ውድብ ዝነበረ ደርባዊ ቓልሲ እናፍዘዘ ዝመፀሉ ኩነታት ፈጢሩ እዩ፡፡ ብሓደ ወይ በቲ ካሊእ ምኽንያት ዝግለፅ ናይ ግዕዝይናን ብልሽው ኣሰራርሓን ፀገማት እውን ካሊእ ሕመቕ ኮይኑ ተገምጊሙ ኣሎ፡፡ ንውድብ ህወሓትን ህዝቢ ትግራይን ብሓፈሻ ዝገልፅ እኳ እንተዘይኮነ ናይ ፀቢብነት ተርኢዮታት ከም ዘለው እውን ገምጊሙ እዩ፡፡ ብፍላይ ከባቢያዊነት ጎሊሁ ዝረአ ፀገም ከምዝኾነን ቐፃሊ ቓልሲ እንተዘይተገይርዎ ድማ ዝፈታተነና ሓደጋ ከምዝኸውን ተሰሚርሉ እዩ፡፡

ማእኸላይ ኮሚቴ ህወሓት ነቲ ብምኽንያት ውሽጣዊ ፀገማትና ኣብ ህዝብና ዝተፈጠረ ዘይምዕጋብ ከምዕድል ብምውሳድ ኣብ ሞንጎ ውድብናን ህዝብናን ነቓዕ ብምፍጣር ጉዕዞ ህዳሰና ንምዕንቃፍን ሕገ መንግስታዊ ስርዓትና ንምፍራስን ለይትን ቀትርን ዝፅዕሩ ዘለው ናይ ውሽጥን ናይ ደገን ፀረ ህዝብን ፀረ ሰላምን ሓይልታት ዝፈጥርዎ ዘለው ሓደጋን ኣፈታትሕኡን እውን ብኣፅንኦት ገምጊሙ እዩ፡፡

ማእኸላይ ኮሚቴ ህወሓት በዚ ልዕል ኢሉ ዝተገለፀ ኣገባብ ነቶም ዓወታትን ሓደጋታትን ብዕምቆት ድሕሪ ምግምጋም፣ ነቶም ዓወታትና ብምዕቃብ ነቶም ኣብ ውሽጢ ውድብና ዘንፀላልው ዘለው ፀገማት ድማ ብናይ ሓፂርን ነዊሕን ትሉም ቓልስን ብናይ ግዜ የለን ኣተሓሳስባን ንክፈትሕ ወሲኑ ኣሎ፡፡

በዚ መሰረት ነቲ ሐዚ ዘሎ ጭቡጥ ፀገምን ሕመቕን ውሽጢ ውድብ ንምፍታሕ ኣብ ሓፂር እዋን ኣብ  ውሽጢ ውድብ ቐፃሊ፣ ሰፊሕ፣ ቓልስን ፅሬትን ብምክያድ፣ መትከል ተሓታትነት መሰረት ዝገበረ ሽግሽግን ምትዕርራይን ብምክያድ ማዕበላዊ ምንቅስቓስ ንምውላዕ ወሲኑ ኣሎ፡፡ ኣብ ውሽጢ ውድብ ዝግበር ውዑይ ቓልስን ምንቅስቓስን ውሕስ ዝኸውን ምስቲ ናይ ሓፋሽ ዝተወደበ ምንቅስቓስ እንተተኣሳሲሩ ጥራሕ ከምዝኾነ ብምእማን ዝተወደበ ናይ ሓፋሽ ምንቅስቓስ ንምፍጣር ዘኽእሉ ኣብ ዓወታትናን ጉድለታትናን ማእኸል ዝገበረ ሰፊሕ ናይ ህዝቢ መድረኻት ብምፍጣር ዓሚቕ ዘተን ምርድዳእን ንክግበር እውን ወሲኑ ኣሎ፡፡ ናይ ውድብናን ህዝብናን ዝተኣሳሰረ ቓልስን ምንቅስቓስን ዝያዳ ንክጠናኸርን ብዕምቆት ንምህዳስን ምስ ኣሓትን መሓዙትን ውድባትን ውፅዓት ህዝብታት ኢትዮጵያን ከምቲ ልማድና ሓባራዊ ቓልስን ምንቅስቓስን ከምዝገብር እውን ማእኸላይ ኮሚቴ ወሲኑ ኣሎ፡፡ ከምኡ እውን ኣብ ከባቢ ግጨው ዘሎ ዕልባት ዘይረኸበ ጉዳይ ወሰን ምክላል ኣብ ሓፂር ጊዜ መፍትሒ ንኽረክብ ከም ዝቃለስ ወሲኑ ኣሎ፡፡

ካብዚ ብተወሳኺ ብቑዕ ተካኢ ኣመራርሓ ኣብ ምፍራይን ነቲ ዘሎ ኣብ ምብቓዕን ክንዓምም፣ ሓረስታይ፣ ደቂ ኣንስትዮን መናእሰይን ብውዳበታቶም ኣቢሎም ዝለዓለ ተሳትፎን ተጠቃምነትን ከረጋግፁን ናይ ምቁፅፃር ዓቕሞም ክጉልብትን፣ ኣብ ከተማታት ናይ ዝነብር ህዝብና ተሳትፎን ተጠቃምነትን ክሕይል፣ምስ ሙሁራት  ብዝዓበየ ብርኪ ተኣሳሲርና ክንሰርሕ፣ንልምዓታዊ ሰብ ሃፍቲ ብብቕዓት ብምድጋፍ ክነጠናኽር፣ ኣብያተ ምኽርታትና ሓዊሱ ኩሎም ናይ ዲሞክራሲ ትካላት ተጠናኺሮምን ናይ ህዝቢ ልሳን ኮይኖምን ፅዕንቶ ክፈጥሩ ዘኽእሎም ስራሕቲ ንምስራሕ ማእኸላይ ኮሚቴ ህወሓት ወሲኑ ኣሎ፡፡

ዝኸበርካ ህዝቢ ትግራይ

ናብዚ ሐዚ በፂሕካዮ ዘለኻ መድረኽ ህዳሰን ብሩህ ጉዕዞን ክትበፅሕ መሪር ቃልሲ ኣካይድካ ኢኻ፡፡ ምስ ከማኻ ዝበሉ ውፅዓት ብሄር፣ ብሄረሰባትን ህዝብታትን ሃገርና ብምዃን ኣብቲ ሕሉፍ 17 ናይ ዕጥቂ ቃልሲ ዓመታት ክቡር መስዋእቲ ከፊልካ፣ ዘይእመን ዝመስል ግን ድማ ብተግባር ዝተፈፀመ መስተንክራዊ ተጋድሎ ኣሕሊፍካ፣ ኩሎም ፀገማትን ዓቐብን ቁልቁልን ወሪድካን ደይብካን ብፅንዓት ሰጊርካን ናብ ዓወት በፂሒኻ ኢኻ፡፡ ድሕሪ ምድምሳስ ደርጊ እውን ነቲ ካብ ብጊሓቱ ዝተበገሰካሉ ቃልስን ዕላማን ምርግጋፅ ዲሞክራሲ፣ ልምዓትን ሰላምን ንምዕዋት ዝተሓላለኸ ቃልሲ ኣካይድካን ተካይድን ኣለኻ፡፡ ሰላም ረኺብካ ካብ ሑሱም ድኽነትን መከራን ንምውፃእ ሙሉእ ቀልብኻ ናብ ፀረ- ድኽነት ቃልሲ ካብ እትገብር እንሆ ርብዒ ዘመን ኮይኑኳ ኣሎ፡፡ ኣብ ዝሓለፈ ርብዒ ዘመን ብፍላይ ከዓ ኣብ ዝሓለፈ 15 ናይ ተሃድሶ ዓመታት  ሰላምና ተረጋጊፁ ናይ ምንቁልቋል ጉዕዞ ዓጊትና ኣብ ኩሉ መዳይ ሃገርና  ሽማን  ክብራን በሪኹ ተምሳሌት ቁልጡፍ ልምዓትን ምዕባለን ኾይና ኣላ፡፡ እዚ ኩሉ ሳላ ዘይተሓለለ ቃልስኻን ፅንዓትካን ዝመፀ ምዃኑ ውድብካ ህወሓት/ኢህወዴግ ብፅንዓት ይኣምን፡፡

ናብዚ ዓወትን ለውጥን ክትበፅሕ ጉዕዞ ቃልስኻ ልሙፅ ከምዘይነበረ ካብ ባዕልኻ ንላዕሊ ካሊእ መስካሪ  ኣየድልዮን፡፡ብሓደ ገፅ ኣብ ውሽጢ ውድብካ ንዝራኣይ ጉድለታትን መንገፍን ንምፅራይ በዓል ዋና ኾይንካ ዝገበርካዮ ቃልሲ በቲ ካሊእ ገፅ ነቲ ኣብ ፅላል መስመር ውድብካ ህወሓት/ኢህወዴግ ኮይንካ እትገብሮ ዝነበርካ ወያናይ ምንቅስቓስ ንኽጎብጡ ዝተፈላለዩ ሓይልታት ዝፋሓስዎ ውዲታት ንምምካት ዘካየድካዮ ዘይተሓለለ ቃልሲ ህያው ምስክር እዩ፡፡ ዕጥቅኻ መስመር ውድብካ ብምግባር ብመስተንክራዊ ፅንዓትካ፣ ብውሕሉል ሳይንሳዊ ኣካይዳኻን ጥበብካን ኣብ ጉዕዞ ቃልስኻ ጉርድን ምህርትን እናፈለኻ ንእኩይ ውዲታት ደመኛታትካ እናመከትካ ካብ ሓደ ምዕራፍ ቃልሲ ናብቲ ዝቕፅል እናሰገርካ ኣብዚ በፂሕኻ ኣለኻ፡፡ ይኹን እምበር ኣብ ጉዕዞ ቃልስኻ ዝሰዓርካዮም ተረፍ መረፍ ድሑራት ስርዓታት ዝኾኑ ትምክሕተኛታትን ፀበብትን ሐዚ እውን ካብ እንግዳዓኻ ኣይወረዱን፡፡ ሐዚ እውን በቲ ብፃዕርኻን ቃልስኻን እተመዝግቦ ዘለኻ ዓወታት ኣዒንቶም ደም እናመልአ ካብታ ዝሓዝካያ መንገዲ ልምዓት፣ ሰላምን ዲሞክራሲን ንከውፅኡኻ ኩሉ ዓይነት ውዲታት ፍሒሶም ይንቀሳቀሱ ኣለው፡፡ ፍፁም ፀረ ህዝቢ ተግባር ኣብ ልዕለኻ ክፍፅሙ እውን ይፅዕሩ ኣለው፡፡ ኣብዚኣ እውን እንተኾነ ብስምዒት ከይተደፋእኻ ፈታውን ፀላእን ፈሊኻ ብንቕሓት፣ ብብስለትን ብዘገርም ትዕግስትን  ፀኒዕኻ ትቃለስ ኣለኻ፡፡ በዚ ድማ ውድብካ ህወሓት/ኢህወዴግ መዘና ዘይብሉ ህዝባዊ ሓበንን ኩርዓትን ይስመዖ፡፡ ንቅድሚት እውን እንተኾነ ከም ቀደምካ ኣብ መስመር ውድብካ ዓሲልካ ንዘይነፅፍ ዓወታት ብፅንዓት ከምትቕፅል ውድብ ህወሓት ንፃት እውን ኣይጠራጠርን፡፡

ዝኸበርኩም ኣመራርሓን ኣባላትን ህወሓት

ልምዓታውን ዲሞክራስያውን መስመር ውድብና ብፅንዓት ብምሓዝ ኣብ ጉዕዞ ቓልስና ዘጋጠሙና ዝተሓላለኹ ፈተናታት እናፈታሕና ከም ዝመፃእና እትግንዘብዎ ሓቂ እዩ፡፡ እዚ ዘለናዮ ጭቡጥ መድረኽ እውን ብሓደ ገፅ ኣድማዕቲ ዓወታት ዝዓተርናሉ ብኻሊእ ገፅ ድማ ኣብ ውሽጢ ውድብና ኣተሓሳስባን ተግባርን ኣካብነት ክራይ ዝወለዶም  ፈተናታትን ሓደጋታትን  ብግልፂ ዝወፅሉ ኩነታት ከም ዘሎ ማእኸላይ ኮሚቴ ህወሓት ኣብ ዝገበሮ ዓሚቕ ገምጋም ኣረጋጊፅዎ ኣሎ፡፡ ካብ ገምጋሙ ዝተበገሰ እውን ፅሬትን ቃልስን ውሽጢ ውድብ ብምውላዕን ምስ ናይ ሓፋሽ ዝተወደበ ምንቅስቓስ ብምትእስሳርን ኩለመዳያዊ ማዕበላዊ ምንቅስቓስ ንክፍጠር ዘየላጢ ውሳነ ወሲኑ ኣሎ፡፡ ብምዃኑ እውን ኣብ ዝተፈላለያ ዓውደ ግንባራት ተዋፊርኩም ዘለኹም ኣመራርሓን ኣባላትን ውድብ ቅድም ቐዳድም ንባዕልኹም ንምፅራይን ቓልሲ ውሽጢ ውድብ ንምጉህሃርን  በሊሕ ቓልሲ ብምክያድን ማዕበላዊ ምንቅስቓስ ሓፋሽ ንምውላዕ መሪሒነትኩም ብምርግጋፅን ንዕውትነት ውሳነ  ማእኸላይ ኮሚቴ ህወሓት ቅድመ ግንባር ኮይንኹም ንኽትጋደሉ  ማእኸላይ ኮሚቴ ይፅውዕ፡፡

ዝኸበርኩም ኣብ ዝተፈላለየ ክልላትን ከተማታትን ሃገርና እትነብሩ ተጋሩ

ሕገ መንግስታዊ ስርዓትና ዝፈጠረልኩም መሰል ተጠቒምኩም ኣብ መላእ ሃገርና ተዋፊርኩም ናይ ባዕልኹም መነባብሮ ብምሕያል ኣብ ልምዓት፣ህንፀት ዲሞክራሲን ምርግጋፅ ሰላምን ሃገርኩም እጃምኩም እናወፈኹም ትኸዱ ከም ዘለኹም ማእኸላይ ኮሚቴ ህወሓት ብዕምቀት ይርዳእ እዩ፡፡ ነዚ በቢከባቢኹም እትገብርዎ ዘለኹም ልምዓታዊን ዲሞክራሲያውን ምንቅስቓስ ተጠናኺሩ ክቕፅል ንምግባር እውን ውድብኩም ኣበርቲዑ ክቃለስ እዩ፡፡

ማእኸላይ ኮሚቴ ህወሓት ነዚ ከምዚ ዝበለ ውሳነ እንትውስን ኣብ ገለ ኸባቢታት ብናይ ትምክሕትን  ፀቢብነትን ሓይልታት ዝበፅሐኩም በደል ብዕሙቀት ሪእዎ ኣሎ፡፡ እዚ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይን ካልኦት ውፅዓት ህዝብታትን ዝበፅሕ ዘሎ በደል በቶም ትማሊ ብቓልስና ዝሰዓርናዮም ሓይልታት ትምክሕትን ፀቢብነትን እምበር በቲ ፈታዊናን ሓውናን ህዝቢ ዝበፀሐ ከም ዘይኮነ ባዕልኹም እውን ትግንዘብዎ ሓቂ እዩ፡፡

እዞም ሕገ መንግስታዊ ስርዓትና ንምፍራስ ዝንቀሳቐሱ ዘለው ፀላእቲ ናይ መወዳእታ ዕላመኦም ንህዝቢ ትግራይን ህወሓትን ኣብ ምጥቃዕ ጥራሕ ዝውሰን ዘይኮነስ ነቲ ማዕርነታዊ ሓድነት ብሄር፣ ብሄረሰባትን ህዝብታትን ሃገርና ዘረጋገፀ ፌደራላዊን ዲሞክራሲያዊን ስርዓትና ንምፍራስ ዝገብርዎ ዘለው ቁሉዕ ምንቅስቓስ  ምዃኑ ጉሁድ እዩ፡፡ ስለዝኾነ ድማ ማእኸላይ ኮሚቴ ህወሓት ነቲ ክሳብ ሐዚ ኣብ ልዕለኹም ዝበፅሐ በደል ዝተሰመዖ ሓዘን እናገለፀ ንዝተፈፀመ ጥፍኣት ተሓታትነትን ልዕልነት ሕግን ንኽረጋገፅ ኣበርቲዑ ከም ዝቃለስ የረጋግፀልኩም፡፡ ንቕድሚት እውን ተመሳሳሊ ፀረ ህዝቢ ተግባራት ንከይፍፀም ምስ ናይ ቓልሲ ኣሓትን መሓዙትን ውድባትን መላእ ህዝብታት ኢትጵዮያን ብምዃን ኣብ ዘካይዶ ሓበራዊ መትከላዊ ቓልሲ ኣብ ጎኒ ውድብኩም ብምስላፍ እጃምኩም ንኽትፃወቱ ፃውዒቱ የቕርብ፡፡

ዝኸበርኩም ኣብ ወፃኢ ሃገራት እትነብሩ ተጋሩ

ኣብ ወፃኢ ኾይንኩም ብሓደ ገፅ ናብራኹም ንምድፋእ ብኻሊእ ገፅ ድማ ነታ መረበትኩም  ዝኾነት ክልልኩምን ሃገርኩምን ልምዓታ፣ ዲሞክራሲኣ፣ ሰላማን  እናሓሰብኩም ሓቀኛ ምስሊ ዓድኹም ብህዝብታት ዓለም ክፍለጥ ኣብ ምግባርን ንፅግዕተኛታት ኣብ ምቅላስን ሎሚ እውን ከም  ትማሊ ኣብ ቓልስን ምንቅስቓስን ከምዘለኹም ማእኸላይ ኮሚቴ ህወሓት ይግንዘብ፡፡ ኣብዚ ሐዚ ዝገበሮ ዓሚቕ ገምጋም እውን ንዓኹም ኣብ ምትሕብባርን ምድጋፍን ዝነበሮ ኹነታት ብዝርዝር ገምጊሙ ኣሎ፡፡ ብቐፃሊ እውን ምሳኹም ዝጠንከረ ምድግጋፍ ብምግባር ብስፍሓት ንምስራሕ ወሲኑ ኣሎ፡፡ ይኹን እምበር እዞም ውሳነታት እዚኦም ናትኩም ንጡፍ ተሳትፎ ተዘይተሓዊስዎም ተግባራዊ ከምዘይኾኑ ማእኸላይ ኮሚቴ ህወሓት ብፅንዓት ይኣምን፡፡ ስለዝኾነ ድማ እዞም ሓበራዊ መደባት ንምዕዋት ክትረባረቡ ፃውዒቱ የቕርብ፡፡

ዝኸበርኩም ኣሓት ውድባት ኢህወዴግ

ህዝቢ ትግራይ ብመሪሕ ውድቡ ህወሓት እናተመርሐ ኣብ ዘካየዶ መሪር ቃልስን ዝኸፈሎ ከቢድ መስዋእትን ኣብ ሓደ ዕላማ ሰሚርና ብናይ ሓባር ቀላፅምና ፋሽሽታዊ ስርዓት ደርጊ ደምሲስና ሓዳሽ ፈዴራላዊት ዲሞክራሲያዊት ኢትዮጵያ ኣብ ምህናፅ ዘኹርዕ ብደም ዝተፃሕፈ ታሪኽ ኣመዝጊብና ኢና፡፡ ድሕሪ ውድቀት ደርጊ እውን ሃገርና ካብ ምብትታን ድሒና ኣብ ጉዕዞ ህዳሰ ክትምርሽ ብሓባር ኢድ ንኢድ ተታሓሒዝና  ንኩሎም ናይ ውሽጥን ግዳምን ፅግዕተኛታት ብምምካት ንህዝብታት ሃገርና ተስፋ ዘለምለመ ጉዕዞ ህዳሰ ብምስላጥ ተደራረብቲ ዓወታት እናመዝገብና ከበድቲ ፈተናታት እውን እናሰገርና ኣብ ምግስጋስ ንርከብ፡፡ ኣብ ጉዕዞ ህዳሰና ብዘነፀርናዮ ሓደጋ ፅግዕተኛ ምብስባስ ምኽንያት ንስልጣን ከም ናይ ውልቅኻ ጥቕምን ክብርን መሐለዊ ጌርካ ንምጥቃም ንዝራኣዩ ናይ ፀቢብነት፣ ትምክሕትን ፀረ-ዲሞክራስን ጉድለታት መኪትና ሰናይ ምምሕዳር ንምንጋስን መስረታዊ ለውጢ ንምርግጋፅን ዳግም ብዕሙቀት ምህዳሰ ኣብ ዝጠልብ ወሳኒ መድረኽ ንርከብ ኣለና፡፡ ስለዝኾነ ሐዚ እውን ከምትማሊ ቐፃልነት ጉዕዞ ህዳሰና ንምርግጋፅ ውሽጣዊ ጉድለታትና እናኣረምና ዝቓሓረ ህዝብና ንምኽሓስን ጉዕዞ ህዳሰ ሃገርና ንድሕሪት ንምምላስ ንዝሃቀኑ ኩሎም ፀላእቲ ንምምካትን ኣብ ዝግበር ርብርብ መቓልስትኹም ውድብ ህወሓት ሎሚ እውን ከም ትማሊ ኣብ ጎንኹም ኮይኑ ዘድሊ መስዋእቲ ከምዝኸፍል ከረጋግፀልኩም ይፈቱ፡፡

ዝኸበርኩም መሓዙት ውድባት ሃገርና

ሃገርና ካብ ፋሽሽታዊ ስርዓት ደርጊ ክትናገፍ ይኹን ኣብ ዝሓለፈ ናይ ሰላም፣ ልምዓትን ህንፀት ስርዓት ዲሞክራስን ቃልሲ ከምሓደ ኣካል ኢድ ንኢድ ተታሓሒዝና ብምርብራብና ሓዳሽ ዲሞክራሲያዊትን ምዕብልትን ሃገር ንምህናፅ ብሓባር ኣብ ምቅላስ ንርከብ፡፡ ይኹን እምበር  ኣብዚ እዋን ነቲ ዝዓተርናዮ ዓወት ዝምንዝዕ ጉድለት ፅግዕተኛ ምብስባስ ብሓደ ገፅ፣ ነዚ ከም ዕድል ተጠቒሞም ዘዕገርግሩ ናይ ውሽጥን ናይ ደገን ናይ ጥፍኣት ሓይልታት ብካሊእ ገፅ ዝፈጥርዎ ሓደጋ ኣንፀላልዩና ይርከብ፡፡ ብምዃኑ እውን ነዚ ሓደጋ ከምቲ ልሙድ ንምምካት ሓበራዊ ቓልስና ብዝበለፀ ኣጠናኺርና ክንምርሽ ማእኸላይ ኮምቴ ህወሓት ይፅውዕ፡፡

ዝኸበርኩም ብሄር፣ብሄረሰባትን ህዝብታትን ሃገርና

ሃገርና ኢትዮጵያ ንኹሉ ብሄር፣ ብሄረሰባትን ህዝብታትን ከምኡ እውን ሃይማኖታትን እምነታትን ሓብሒባ ኩሉ ህዝቢ ብማዕርነት፣ ብፍቕሪ፣ ብምክብባርን ምትሕልላይን ዝነብረላ ሃገርን ክትኸውን ብዝኸፈልናዮ ሓበራዊ መስዋእቲ  ሓዳሽ ፈዴራላዊት ዲሞክራሲያዊት ኢትዮጵያ  ንሃንፅ ኣለና፡፡ ነዚ ብሩህ ጉዕዞ ንድሕሪት ዝመልሱ ናይ ውሽጥና ፀገማት ብዕምቆት ገምጊምና እውን ንምፍተሖም ዝተጠናኸረ ቓልሲ ጀሚርና ኣለና፡፡ እዚ ከምዚ እናሃለወ ናይ ውሽጥን ግዳምን ፀረ ህዝብን ፀረ ሰላምን ሓይልታት ሕገ መንግስታዊ ስርዓትናን ጉዕዞ ህዳሰናን ንምዕንቃፍ ለይትን ቀትርን  ላሕ ይብሉ ምህላዎም ናይ ኣደባባይ ምሽጥር ኮይኑ ኣሎ፡፡ ስለ ዝኾነ ነዚ ፀረ ህልውናና ዝኾነ ሓደጋ ብምምካት ሎሚ እውን ከምቲ ናይ ትማሊ  ቀላፅምና ኣሕቢርና ህዳሰ ሃገርና  ጋህዲ ንምግባር ንክንረባረብ ማእኸላይ ኮሚቴ ህወሓት ይፅውዕ፡፡

ብኣጠቓላሊ ኣብ ናይ 17 ዓመታት ናይ ዕጥቂ ቓልሲ ይኹን ኣብ ናይ ርብዒ ዘመን ናይ ልምዓት፣ ሰላምን ዲሞክራስን ቃልስና ኮታስ ኣብ ኩሉ ምዕራፋት ቓልስና ብዓወታት ተፀንቢልና ኣብዚ በፂሕና ኣለና፡፡ ናይ 42 ዓመታት ናይ ዓወትን ፅንዓትን ጉዕዞና ምንጩ ኣብ በቢመድረኹ እናፀረየን እናገወደን ዝኸይድ ህዝባዊ መስመርና እዩ፡፡ እዚ ሒዙ ብፅንዓት እናተቓለሰን እናተሃደሰን ዝኸይድ ውድብ ስለ ዝወነንና እዩ፡፡ ኣብ ዙርያ እዚ መስመር ዓሲሉ ተኣምር ዝሰርሕ ፅኑዕን በዓል ውህሉል ተሞክሮን ህዝቢ ስለ ዘለና እውን እዩ፡፡ ስለዝኾነ እውን መፃኢ ጉዕዞና መንገዲ ተደራራቢ ዓወታትን ለውጥን ከም ዝኸውን ጉሁድ እዩ፡፡ ሎሚ እውን ከም ልማዱ ውድብኩም ህወሓት ሕድሪ ስውኣት ኣኽቢሩ ኣብ ቅድሚኡ ዘለው ኩሎም ፈተናታት ብፅንዓት ብምስጋር ንቕድሚት ከምዝምርሽን ባህግን ድሌትን ህዝብና ጋህዲ ንምግባር ብፅንዓት ከም ዝረባረብን ደጊሙ የረጋግፅ፡፡

ክብርን ሞገስን ነቶም ዝኾነ ጉርዲ ዘይለግቦም ስውኣትና!!

ብሓያልነት መስመርናን ፅኑዕ ህዝብናን ጉዕዞ ህዳሰና ይዕወት!!

ማእኸላይ ኮሚቴ ህወሓት

መስከረም 2009 ዓ/ም

                                                መቐለ