Widgetized Section

Go to Admin » Appearance » Widgets » and move Gabfire Widget: Social into that MastheadOverlay zone

ልምዓት ህዝቢ ትግራይን ግደ ትእምትን

effort

ኣብ መፅሄት ውራይና መበል 26 ሕታም ጉንበት 2008 ኣ.ም ‘’ምዕሩይ ምሕደራን ዕውት መፃኢ ጉዕዞን ትእምት” ብዝብል ርእሲ ብኣይተ ሙሉጌታ ገ/ሂወት(ጫልቱ) ዝተፅሓፈ ኣብ ሕሉፍ ኣካይዳን ንመፃኢ እንታይ ክግበር ከምዘለዎ ሪኢቶኦም ገሊፆም ኣለዉ፡፡ ኣይተ ሙሉጌታ ገ/ሂወት ከምዚ ዓይነት ሓሳብ ብምልዓሎም እናናኣድኩ እዚ ዝመስለካ ሪኢቶ ምፅሓፍ ክምዕብል ዘለዎ ብመስዋእትነት ዝተረኸበ ዴሞክራሲያዊ መሰል እዩሞ ኣነ እውን ነቲ ፅሑፎም ብባህጊ ኣንቢበ ከም ሰራሕተኛ ሓደ ትካል ትእምት ኮይነ ዝተሰመዐኒ ሓሳብ ከንፀባርቕ ህልናይ ኣገዲዱኒ፡፡ ምእንታን ንምንፅፃር ክጥዕም በቲ ኣይተ ሙሉጌታ ገ/ሂወት ብዝፃሓፍዎ ፍሰት ሓሳብ ተኸቲለ ኣሕፅር ኣቢለ ክኸይድ መሪፀ ኣለኹ፡፡ ሓሳበይ እንትገልፅ ኣብኡ እንተሎ ጉጉያት ሓሳባት ዘስተኻኽል፣ ንቕኑዕ ዘጠናኽርን ንመፃኢ ዝሕሰብ ዘሎ የካትት፡፡

  1. መእተዊ

ትካል እግሪ ምትካል ትግራይ ኣብ እዋን ህዝባዊ ዕጥቃዊ ቃልሲ ህዝቢ ትግራይን ህወሓትን ንመሳለጢ መደባቶም ካብ ዘዋህለልዎ ሃፍተገነት እቲ ዝተረፈ ሃፍተገነት ብምሓዝ ብናይ ኢትዮጵያ ፍ/ሕጊ(1952) መሰረትን መመስረቲ ፅሑፍን መተሓዳደሪ ደንብን ትእምት ኣብ ወርሒ ነሓሰ 1987 ዓ.ም. ተመዝጊባ ዝተጣየሸት ትካል ምግባረ ሰናይ እያ፡፡ ካብ እትጣየሽ ጀሚራ ሃፍተ ገነታ ንምስሳን ኣብ ማኑዩፋክቸሪነግ፣ ምልማዕ ማዕድናት፣ ሰርቪስን ምልማዕ ሕርሻን ብምውፋር ኣብ ትግራይ ንዝሳለጡ ማሕበረ‑ኢኮኖሚያዊ መደባት ብንጥፈት ብምስታፍ ተራኣ ኣብ ምፅዋት ትርከብ፡፡ ምዕባለታት ብቐፃልነት ንምርግጋፅ በቢእዋኑ ዝምዕብሉ ናይ ቢዝነስ ፖሊሲ፣ ስትራተጂ፣ ፕሮጀክታትን መደባትን ብምሕንፃፅ ነዚ መተግበሪ ዝኾኑ ኣብ ግልፅነት ዝተሞርከሱ ኣወዳድባታት፣ መምርሕታት፣ ኣሰራርሓታትን ምእዙይ መዐቀንታትን (Business Standards) ብምውፃእ መደባታ ተሳልጥ ኣላ፡፡

  1. ትእምትን ህዝቢ ትግራይን

ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ ኣብ እዋን ዝተናውሐ ዕጥቃዊ ቃልሲ መካየዲ እቲ ቃልሲ ካብ ኣባላታ፣ ደገፍታን ፀላኢን ፋይናንስን ንብረትን ኣዋህሊላ እያ፡፡ ይካየድ ኣብ ዝነበረ ፍትሓዊ ኲናት ነቲ ቓልሲ ዝጠቅም ዕጥቅታትን ካልኦት ንብረትን ካብ ፀላኢና ደርጊ እዩ ዝርክብ ዝነበረ፡፡ ብኻሊእ ወገን ኣብ ውሽጢ ዓዲ ይኹን ኣብ ደገ ዝነበሩ ኣባላትን ደገፍትን ኮታስ መላእ ህዝቢ ትግራይ ነቲ ፍትሓዊ ህዝባዊ ቃልሲ ብቐፃልነት ንምሕያል ፋይናንሳዊ ደገፍ ንህወሓት ይግበር ስለዝነበረ ቀንዲ ፍልፍል ፋይናንሳዊ ዓቕሚ እታ ውድብ ኮይኑ ፀኒሑ፡፡

 

ህወሓት/ኢህወደግ ደርጊ ደምሲሱ ሃገር ተቖፃፂሩ መንግስቲ እንትምስረት ህወሓት ዘዋህለለቶ ንብረትን ገንዘብን ሒዛ ከም ፖለቲካዊ ውድብ ናብ ንግዳዊ ስራሕቲ ክትኣቱ ስለዘይትኽእልን ስለዘይግባእን እዚ ከምዚ ዓይነት ስራሕ ብጒሓቱ ፈላልያ ብምርኣይ ንበይኑ ተፈሊዩ ናፃ ትካል ኮይኑ ኽኸይድ ከምዘለዎ ኣብ መትከል ፀኒዓ ብዘየመናእትእ ብምእማን፣ ህወሓት ካብ ኣባላታን ደገፍታን ኣዋህሊላቶ ዝነበረት ሃፍተ ገነት ናይ ህዝቢ ትግራይ ኮይኑ ተወዲቡ ናብ ልምዓት ዝዋፈረሉ ባይታ ብምፍጣር፣ ብብቑዕ ኣመራርሓ እናተሰነየ፣ ሕጊ ሃገርና ተኸቲሉ ብቐፃልነት ኣብ ኸይዲ እናሰሰነ ብዝኸድሉ መንገዲ ብምምራሕ በዓል ዋናን ተጠቃማይን ህዝቢ ትግራይ(ተጋደልትን ጉዳኣትን ዘካተተ) ጥራሕ ኮይኑ ክዋፈርን ክቕፅልን ፖለቲካዊ ብሱል ውሳነ ተወሲኑ፡፡ ክሳብ ሕዚ እንተኾነውን እንከይተሸራረፈ ዝትግበር ዘሎን ንዝኾነ ይኹን ፖለቲካዊ ረብሓ ዘይውዕል ዘሎ ምዃኑ ቅሉዕ ሓቂዩ፡፡ ህወሓት ንሓዋሩን ብዘይምለስ ኣገባብ ብውህብቶ ብምትሕልላፍ ንትእምት መበገሲ ዓቕሚ ብምዃን ክትምስረት ዕድል ፈጢራ እያ፡፡

 

እዚ ውሳነ ዚ ኣብኡ እንተሎ ነንዶ ህወሓት(ፅፁይ ምንጪ እቶት ካብ ኣባላታን ደገፍታን ጥራሕ ዘለዋ) ንመፃኢ ዝፍጠር ዝኾነ ይኹን ፖለቲካዊ ውዳብ እንተኾነ እውን ንመሳለጥያ ፖለቲካዊ ጉዳያቶም ከምዘይጥቀሙሉ ኣነፂሩ ብሕጊ እታ ሃገር ክግራሕን ብጥቢቂ ክፍፀም ከም ዘለዎ ተመሊሱ ዝሓደረ ጥራሕ እንተይኮነስ ብተግባር እውን ትእምት ካብ እትምስረት ክሳብ ሕዚ በዚ ውሳነዚ ፀኒዓ መደባታ ኣብ ምዕማም እትርከብ ናይ ህዝቢ ትካል እያ፡፡ ኣብዚ ጉዳይ እዚ ኣይተ ሙሉጌታ ገብረሂወት መትከል ከምዘይመርሖን ዝተሓዋወሰ ከምዝኾነ ዘምስል ዝሃብዎ ሪኢቶ ትኽክል ኣይኮነን፡፡ ምስ ኣይተ ሙሉጌታ ዝስማመዐላን ብዝበለፀ ዘጠናኽሮን ካብ ፈለምትኡ ህወሓት ዝወሰነቶ ብሱል ውሳነን ኣብ ዓለምና ወያነ ካብ ዘካየዱ እሞ በትረ‑ስልጣን መንግስቲ ዝጨበጡ ውድባት ዘይገበርዎ ፍሉይ ፍፃመ ኣብ ታሪኽ ዓለም ሓደ ስርሒት ኮይኑ ዝንተኣለም ክንኮርዐሉ ዝግባእ ሃፍታም ተሞክሮ ውድብ ህወሓትን ክብሪ ህዝቢ ትግራይን እዩ፡፡

 

  1. ምስ ትእምት ተተሓሒዞም ዝተልዓሉ ናይ ምሕደራ ፀገማት

ኣይተ ሙሉጌታ ገ/ሂወት ኣብ ትሕቲዚ ርእሲ ዘልዐልዎ ሓሳብ ብዛዕባ ትእምት ብህዝቢ ዝለዓሉ ዘለዉ ሕቶታት ብዝስዕብ ጠሚሮም አቐሚጦም ኣለው፡፡ ገሊኦም ኣመሰራርታን ዕላማን ትእምት ብትኽክል ካብ ዘይምርዳእ ዝመፅእ፣ እቲ ካልኣይ ካብ ኣርሒቑ ዘይጥምት ፀቢብ ንግዳዊ ጥቕሚ ዝለዓሉ እንትኾኑ እቲ ሳልሳይ መብዛሕትኡ ሕቶታት ካብ ባዕላ ካብ ናይ ትእምት ግልፅነት ዘይብሉ ኣሰራርሓ ዝለዓሉን ክንድቲ ዝግባእ ናይ ህዝቢ ትግራይ ተጠቃምነት ኣየረጋግፅን ካብ ዝብል ገምጋም ዝብገስ እዩ ብምባል ኣስፊሮም እዮም፡፡ ሚዛናውነቱ ንምሕላው ኣይተ ሙሉጌታ እተን ብቕደም ሰዓበ ዝጠመርወን ሕቶታት ሓሳቦም ክገልፁ እናተገበአ ነተን ናይ መጀመርታ ክልተ ጥማር ሕቶታት እንከየብርሁ ብምግዳፍ ነታ ናይ መወዳእታ ነጥቢ ጥራሕ ተሞርኪሶም ሪኢቶኦም ብምሃቦም ሚዛናዊነቱ ኣብ ርእሲ ምስሓቱ ሙሉእነት ከይህልዎ ገርዎ ኣሎ ጥራሕ እንተይኮነስ ኣካል ኣመራርሓ ኮይኖም ዝመርሕዎ ዝነበሩ ትካል ንነብሶም ነፃ ኣውፂኦም ዝሃብዎ ሓሳብ ኮይኑ ስለዝተሰመዐኒ እዩ፡፡ ብመሰረቱ ትእምት ካብ ህዝቢ ዝለዓሉ ሕቶታት በቢእዋኑ እናመርመረት ምላሽ ኣብ ምሃብ ግቡእን ጠቓምን ምዃኑ ትኣምንን ምስ ጉድለታቱ ትትግብር ምዃና ፕሮግራማት መራኸብቲ ሓፋሽ ምክትታልን እቲ ብጭቡጥ ዝትግበር ዘሎ መደባት ብኣካል መፂኻ ምጉብናይ ይከኣልን ይግባእን ይብል፡፡ ነዚ ንምጉልባት ኣብ ዝተልዓላ ሰለስትኤን ጉዳያት ብተርታ ብዘይምቑፃይ ክገልፅ ክፍትን እየ፡፡

 

3.1. ኣብ ዕላማን ኣገዳስነትን ምስረታ ትእምት ዘይምፍላጥ ዝብገሱ ሕቶታት

ኣይተ ሙሉጌታ ከምቲ ዝፈልጥዎ ትእምት እንትምስረት(ካብቶም መስራቲ ሓደ ኮይንኹም ኣብ ናይ ትእምት መመስረቲ ሕጊ ተራ ቑፅሪ 10 ሽምኩም ዝተሰየመ) ናይ ባዕሉ መመስረቲ ሕግን መተሓዳደሪ ደንቢ ውፂኡ፣ ኣብ ታሕሳስ 2000 ኣ.ም. ኣብ ካልኣይ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ትእምት ተመሓይሹ ብዝፀደቐ መሰረት ዕላማን ኣገዳስነትን ትእምትን ብግልፂ ሰፊሩ ይርከብ፡፡ እዚ ብመፅሄት መልክዕ ንካልኣይ ጊዜ ተሓቲሙ ብእዋኑ ንህዝቢ ተበቲኑ እዩ፡፡ ዕላማን ኣገዳስነትን ምስረታ ትእምት ናብራ ህዝቢ ትግራይ ብዘላቕነት ንምምሕያሽን እቲ ዘለናሉ ማሕበረ‑ኢኮኖሚያዊ ብመሰረቱ ንምልዋጥ ኣብ ዝግበር ቃልሲ መተካእታ ዘይብሉ ተራ ክትፃወት፣ ብመንግስቲ ይኹን ብሰብ ሃፍቲ ዘይሕሰቡን ዘይድፈሩን ዓበይቲ ኣሳገርቲ ኢንዱስትሪታትን(Transformational Industries) ካልኦት ኢንቨስትመንትን ንምትካል፣ ኣብ ማእኸሎትን ዓበይቲን ኢንዱስትሪታት ዝሳተፉ ሰብ ሃፍቲ ንምድጋፍ፣ ሰፊሕ ስራሕ ዕድል ንምፍጣርን ሓደሽቲ ቴክኖሎጅያዊ እታወታት ንምትእትታውን ካብ ሕርሻ ዝመርሖ ኢኮኖሚ ናብ ኢንዱስትሪ ዝመርሖ አኮኖሚ ኣብ ዝግበር ስግግር ኣወንታዊ ግድኣ ንክትፃወት ኣገዳሲ ስለዝነበረ እዩ፡፡ ብድምር ትግራይ ኢንዱስትሪ ዝብሃል ስለዘይነበራን ተፈጢሩ ዝነበረ ኣዚዩ ዘሕዝን፣ ገዚፍን ዓሚቑን ናይ ዕዳጋ ክፍተት(Market Failure) ንምዕራይን ንሱ ዝፈጠሮ ምምስቓል ንምእላይ ኮይኑ ኣብ ዝተፈላለየ ዓይነት ኢንዱስትሪ ዝተመስረተ ኢንቨስትመንት ብምክያድ ዝተዋደደ ኢኮኖሚያዊ ምዕባለ ብምርግጋፅ ትግራይ ናብ ኢንዱስትሪያላዊ መንደር ናይ ምቕያርን ኣብኡ እንተሎ ሃገራዊ ግደኣ ንክትፃወት ኣገዳሲ ኮይኑ ስለዝተረኸበን እዩ፡፡ ከምቲ ዝተሓሰበ ዓንዲ ሕቖ ኢንቨስትመንት ብምዃን ዓብይ ፅላልን ሓበንን ህዝቢ ትግራይ ኣብ ርእሲ ምዃና ሕልፍ እንትብል ብሃገር ደረጃ ዓብይ ኢኮኖሚያዊ ምትእስሳራት ንምፍጣር ዝሕግዙ ስራሕቲ ሰሪሓን ትሰርሐንላ፡፡

 

መሳ ንመሳ ኣብ ምምሕያሽ ግልጋሎት ትምህርቲ፣ ግልጋሎት ጥዕና፣ ማሕበራዊ ፀገማት ኣብ ምክልኻልን ምእላይን፣ ኣብ ምዕባለ ቋንቋ፣ ባህሊ፣ ስነጥበብን ስፖርት ዓቕሚ ብዘፍቅዶ ትሳተፍ ከምዘላ ኩሉ ዝፈልጦ ሓቂ እዩ፡፡ ስለዝኾነ ናይ ሃገርና ሕጊ ብዝፈቐዶ መሰረት ናይ ህዝቢ ትግራይ ኢኮኖሚያዊ፣ ማሕበራዊ፣ ባህላዊ፣ ስነጥበብ፣ ታሪኽን ቋንቋን፣ ቴከኖሎጂካዊ ዕብየትን ልምዓትን ኣብ ዘረጋግፁ ዓውደ ስራሕቲ ብምስታፍ መነባብሮ ህዝብና ኣብ ምምሕያሽ ብምንጣፍ ስራሕ ስእነት ንምቅላል፣ ናይ ሕርሻን ኢንዱስትሪን ዝምድና ብምጥንኻር ኢንዱስትሪያላዊ ዓቕሚ ንምህናፅ፣ ንሰብ ሃፍቲ ብምትብባዕን ዓቕሚ ንከጥሪዩ ብምድጋፍን፣ ምዕቡል ክንክንን ኣጠቓቕማን ተፈጥሮ ሃፍትን እንስሳትን ንምርግጋፅ ዓሊማ ዝተበገሰት ኣብ ትግራይ ዝመሰረታ ሃገራዊት ሕጋዊት ትካል እያ፡፡ እዚ ጉዳይ እዚ ብመሰረቱ ህዝቢ ትግራይን ፈተውቱን ብዝግባእ ዝፈልጥዎ፣ ፀላእቲ ድማ ረብሓን ኣካይዳን ትእምት ሱር ቦቀስ ምዃኑ ብዝግባእ ፈሊጦምስ ብቐፃላይ ፀለመን ጠቐነን ንጥፍኣት ትእምት ኣብኡ እንተሎ ንህዝቢ ትግራይ ንምጥርሳም እንከይደቀሱ ኣብ ምስራሕ ዝርከቡ ብሕቡር ቅልፅምና ብብቕዓት ክንምክቶ ዝግባእ ዋኒን እዩ፡፡ ብርግፅ ትእምት ገዚፍ ስራሕቲ ኣብ ምስራሕ ዋላ እንተላ በቢእዋኑ ዝስርሑ ንጥፈታት ብዝተጠናኸረ ኣገባብ ብቐፃልነትን ንህዝቢ ኣብ ምፍላጥን ኣስተምህሮታት ኣብ ምሃብን ክፍተታት ከምዘሎ ትእምት ባዕላ ኣሚናትሉስ ነዚ ክፍተት ንምዕባስ ኣብ ምስራሕ ትርከብ፡፡

 

3.2. ኣርሒቑ ዘይጥምት ፀቢብ ንግዳዊ ጥቕሚ ዝለዓሉ ሕቶታት ብዝምልከት

ኣብ ናይ ትእምት መመስረቲ ሕግን ደንብን ብግልፂ ካብ ዝተቐመጠ ተበጊስካ፣ ኣብ ዝስራሕ ዘሎ ጭቡጥ ተግባር ተሞርኪስካ እንትርአ ትእምት ትዋፈረሎም ዘላ ዓውደ ስራሕቲ ንትግራይን እንኮላይ ብሃገር ደረጃ  ብኢኮኖሚ ንቕድሚት ንምስጓም ኣብ ዝሕግዙ ገዘፍቲ ፋብሪካታት ማእኸል ብምግባር፣ ብመንግስትን ሰብ ሃፍትን ክስርሑ ዘይሕሰቡ፣ ዘይድፈሩን ግዙፍ ሃፍተ ገነት ኣብ ዝሓቱን ጥራሕ ክትዋፈር ከምዘለዋ ብጒሓቱ ወሲና ዝኣተወት ምዃና ብኡኡ መሰረት ትትግብር ዘላ ምዃና ብቐሊሉ ክንርዳእ ንኽእል፡፡ ኣብ ከይዲ ሰብ ሃፍቲ እናበዝሑን ካፒታላዊ ዓቕሞም እናተርነዐ እንትመፁ ትእምት እናተዋፈረተሎም ዝፀንሑ ዓውድታት ከም ፋብሪካ ጋብዮን፣ ፋብሪካ ምፅራይ መዓር ዝኣምሰሉ ሰብ ሃፍቲ ንክዋፈርሉ ብጭቡጥ እናለቐቐት መፂኣ እያ፡፡ እዚ ነቶም ትእምት ምስራሕ ከሊኣትና ዝብሉ ኣካላት ምላሽ ዝሃበ እንትኸውን ልምዓታዊ ሰብ ሃፍቲ ንክፈርዩ ይብዛሕ ይውሓድ ትእምት እናደገፈት መፂኣን ንሓዋሩ እውን ብኣንፈትን ብተግባርን ኣጠናኺራ ክትቅፅል እያ፡፡

 

እቲ ካሊእ ኣብ ዝኾነ ሃገር ከምዝግበር ኩሉ ዝኾነ ፋብሪካ እንትትከል ብሃበ ተረኸበ ዝፍፀም እንተይኮነስ ከከም ዓይነት እቲ ፋብሪካ ናይ ባዕሉ ብርክት ዝበሉ ዝርዝር ረቛሕታት መሰረት ብምግባር ወፃእታት ብዝንኪ መንገዲ ኣብ ናይ ጥረ ኣቑሑት ቀረብ ብምምርኳስ ምስዚ ተዛመድቲ ዝኾኑ እታወታት ብፅፉፍ ፅንዓት ተመዚኖም ኣትራፋይነቱ ዘዋፅእን ዘተኣማምንን ኮይኑ እንትርከብ ኣብቲ ዝተደለየ ቦታ ፍትሓውነቱ እውን ክንዲ ዝከኣል እናተገናዘበ እዩ ብትእምት እናተተኸለ መፂኡ፡፡ ንሓዋሩ እንተኾነ ምስ ኩነታትናን ምስ ባህሪ እቲ ኢንቨስትመንትን ዘምፅኦ ረብሓን  እናተገናዘበ እዩ ዝኽየድ፡፡ እዘን ዝተተኸላ ዝተፈላለየ ፋብሪካታት ኣብ ዝኾነ ክፋል ትግራይ እንተተተኸላ ዘይሩ ዘይሩ ከም ትግራዎት ኮይንና እንትንሓስቦ ንዓና ኣአዚየን እየን ዝጠቕማ፡፡ ብተመሳሳሊ ኣገባብ ኣብ ካሊእ ከባቢ ኢትዮጵያ ከም ዝኾነ ኢንቨስትመንት ዘዋፅእ ትካል ምዃኑ ብፅንዓት እንተተረጋጊፁ እንተስ በይንና ወይ ድማ ተሻሪኽና ኣብ ክልላት ከይድና እንተተኸልና ግቡእን ዝተፈፀመን ስለዝኾነ ዘናስሕ ኣይኸውንን፡፡ ዘይሩ ዘይሩ ንህዝቢ ትግራይን ህዝቢ ኢትዮጵያን ኢድ ንኢድ ተታሒዝና ንኽንዓቢ ዝረብሕ ስለዝኾነ ‑ ብውሕድ ጠንካራ ኢኮኖሚያዊ ምትእስሳራት ብምፍጣርን ብምውሓስን ዓይኒ እንትርአ ኣዚዩ ጠቓሚን እዩ፡፡ ኣብዚ ምስከከባቢኻ ብምዝማድ ትእምት ኣብ ከባቢና ዘይሰርሐት ንዝብሉ ጉጉይ መንገዲ ዝሓዙ ምላሽ ምዃኑ ምግንዛብ ይከኣል፡፡ ኣብዚ ግንዛበ ምውሓድ ስለዝረአ ንትእምት ብጉጉይ ምርዳእ ከምዘሎ ግን ይስራሕ ብዘሎ ስራሕቲ እናቐሃመ ዝኸይድ ዘሎ ምዃኑ ምርዳእ ይካኣል፡፡

 

3.3. ምስ ግልፅነት ትእምት ብዝተኣሳሰሩ ዝለዓሉ ሕቶታት

ኣብዚ ጉዳይ እዚ ኣይተ ሙሉጌታ ኣብ ሰለስተ ዛዕባታት ኣድሂቦም ዝስዕብ ኣቐሚጦም ኣለዉ፡፡ ፈለማ ኣመራርሓ ትእምት ብዘዕባ ጥዕና ትካላት ትእምት ዝህቦ ዝተፈላለዩ ዘይግቡእ መግለፂታት እንትኸውን፣ እቲ ካልኣይ ዕብየት ትካላት ትእምት ካብቲ ዝተመስረታሉ እዋን ሓዱሽ ናይ ስራሕ ዘፈር ዘይምፍጣረን እንትኸውን ኣብ መወዳእታ ናይ ግልፅነት ጉዳይ መሰረት ብምግባር ሓሳብ ሂቦም ኣለዉ፡፡ ብዝርዝር ንምርኣይ ክፍትን እየ፡፡

 

3.3.1. ኣመራርሓ ትእምት ብዛዕባ ጥዕና ትካላት ዝወሃብ ዝተፈላለየ መግለፅታት ብዝምልከት

ትእምት ፖሊሲታትን፣ ስትራተጅታት፣ ሕግታት፣ ደንብታትን ኣወዳድባታትን ነፂራ ተበጊሳን በቢእዋኑ ምስ ኩነታት ብምግንዛብ ምምሕያሻት እናገበረት መፂኣ እያ፡፡ ትካላታ ከመይ ከምዝመሓደራ፣ ነብሲ ወከፍ ሃፍተ ገነት ከመይ ከምዝስስን፣ ሓይሊሰብን ካልኦት እታወታትን ብዝለዓለ ውፂኢትን ሰለጤንን ከመይ ከምዝዋፈር፣ ኢንቨስትመንት ከመይ ከምዝውሰን ንፁር መስርሕ ኣቐሚጣ እያ፡፡ ነዚ ክመርሕ ዝኽእል ብቑዕ ኣመራርሓ በቢእዋኑ መዲባ እያ፡፡ ልክዕ ከም ካልእ ኮርፖሬት ትካል ኣብ ዝሓለፉ 20 ዓመታት ኣመራርሓ ትእምት ሓደ ዓይነት ኮይኑ ክቕፅል ስለዘይኽእል በቢእዋኑ እናተቐያየረ ክመርሕ ፀኒሑዩ፡፡ ኣይተ ሙሉጌታ ገ/ሂወት ከምቲ ትፈልጥዋን ከም ላዕለዋይ ኣመራርሓ ትግምግምዎን ዝነበርኩም በቢእዋኑ ምስ ዝወፀ ትልሚን ፍፃመን ብምንፅፃር ይግምገምን ናይ ኣመራርሓ ኣካል ብዝነበሮ ደረጃ ኣሉታውን ኣወንታውን መሰረት ድኹም ኣመራርሓ እንተነይሩ ድኹም ይበሃል፣ ንብረትን ገንዘብን እንትጠፍእ ሱቕ ኢሉ ዝሪኢ እነተነይሩ ይንቀፍ፣ ትካላዊ በዓልዋናነት እንተዘየንጊሱ ይንቀፍ፣ ንትካላት ናብ ኪሳራን ምንቁልቋልን እንተብፂሑ ተገምጊሙ ብውፂኢቱ ድማ ብመስርሕ መሰረት ግቡእ ቅፅዓትን ማዕዳን ይወሃብ፣ ናብ ክሰርሐሉ ዝኽእል ዝምጥኖ ቦታ ይምደብን ክሳብ ምብራርን ዝበፅሕ መቕፃዕቲ ይውሃብ ነይሩ፡፡ ዘይሩ ዘይሩ ናይ ኣመራርሓ ዓቕሚ ኣብ ዕብየት እቲ ትካል ብኣሉታ ይኹን ብኣውንታ ስምብራት ምዕራፉ ግድን ስለዝኾነ ገሊኤን ይኸስራን ምዕባለአን ተዓጊቱ ይፅምልዋ፣ ገሊኤን ውሱን ለውጢ የምፃኣ እየን፡፡

 

ህልዊ ኩነታት እተን ትካላት ብዕሊ ገሊፅካ ሰራሕተኛታት ብግልፂ ተመያይጠምሉ ንምሕዋይ ምንቅስቓስ እንተተገበረን እንተተኣወጀን እንታይ ሓጥያት ኣለዎ?! ለውጢ እንተምፀኣ እንተለዋ ምእዋጅን ንሰራሕተኛታት ምሽላምን ኣፍልጦ ምሃብ እንታይ ገበን ኣለዎ?! እዚ ብትእምት ጥራሕ ዝትግበር ሕማቕ ስራሕ ጌርካ ዝኹነን እንተይኮነስ ኣብ ኩሉ ዓለም ዘሎ መስርሕ ምዃኑ እናፈለጥኩም ናይ ምግምጋምን ምስትኽኻልን መስርሕ እንተዘየለ ምዕባለ ከምዘይረጋገፅ ኣይተ ሙሉጌታ ኣንዳዕዲዕኹም እናፈለጥኩም ሕዚ እውን ኣብ ኮለጃት እተምህርሉን መስርሕ እዩ፡፡ ኣብቲ ኣይተ ሙሉጌታ ገ/ሂወት ካብቶም መራሕቲ  ትእምት ሓደ ኣብዝነበርሉ እዋን ትካላት ትእምት ቁልቁል ምዕባለ ሒዘን ኣብ ዕንይንኒ ኣትየን ምንባረን ክርሳዕ ዘይግበኦ ዘይከሓድ ተርእዩ ኮይኑ ሓሊፉ እዩ፡፡ እዚ ብምግንዛብ በቢጊዚኡ ዝምደቡ ሓደሽቲ ኣመራርሓ መስርሕ ብምኽታል ምስ ኩነታቱ ዝዛመድ ካብቲ ገምጋም ዝብገስ እዋናዊ ኣፀዋውዓ ብምንፃር ዝተውሃቦም ዕማም ንከዐውቱ ይንቀሳቐሱ እዮም ፀኒሖም፡፡ ንሶም ብግደኦም ብዘመዝገብዎ ወድዓዊ ውፂኢት ይግምገሙን ዝምጎሱ ይምጎሱ ዝደኸሙ ድማ ደኺምካ ተባሂሎም ብመስርሕ ይተኣናገዱን፡፡  እዚ ልሙድ ናይ ምግምጋም መስርሕ ንቐፃላይ ተጠናኺሩ ብሓዱሽ ምዕባለታት ተሰንዩ ምቕፃሉ ዘይተርፍ እዩ ብዓይኒ ትእምት፡፡

 

3.3.2. ዕብየት ትካላት ትእምት ሓዱሽ ነገረ ኣየምፀኣን ኣብ ዝብል ጉዳይ

ትግራይ ዝኾነ ዓይነት ኢንዱስትሪ ከምዘይነበራ ኩሉ ዝፈልጦ ሓቂ እዩ፡፡ ትእምት ዝተኸለተን ፋብሪካታት ንትግራይን ንሃገርናን ሓደሽቲን ዓበይትን እየን፡፡ ነዘን ፋብሪካታት እዚኤን ንምምራሕ ዝነበረ ናይ ምምሕድዳር ዓቕሚ ኣዚዩ ትሑት ኣብርአሲ ምንባሩ ሕማቕን ፅቡቕን እናሰርሐ፣ እናተምሃረን ዓርሱ ብኸይዲ እናማዕበለ ዝመፀ ዓብይ ዕድል ዝተውሃቦ ኣመራርሓ ከምዝነበረ ኣይተ ሙሉጌታ ገ/ሂወት ዝነበርክሙሉን ዝዓበኹምሉን መንገዲ ምንባሩ ኣፀቢቕኹም ትፈልጥዎን ኢኹም፡፡ እዙይ ከይዲ ሓላፍ‑ዘላፍነት ኣመራርሓ ዝወለዶ ምዕባለ ናይዘን ትካላት ብመሰረቱ ዝዓገቶ ኣመራርሓ እዩ ፀኒሑ፡፡ እቲ ደርባስ ሕሉፍ መንገዲ ክቕፅል ስለዘይግበኦ ናይ ምድሓን ስትራተጅታት ወፂኡ ብፍላይ ኣብዝሓለፉ ሰለሰስተ ኣርባዕተ ዓመታት ተስፋ ዝህብ ለውጥታት ክረአ ጀሚሩ ኣሎ፡፡ ናይ ትግራይ ስትራተጂያዊ ኢንዱስትራሊያዊ ልምዓት ተሓንፂፁ ምርድዳእ ምስተገበረሉ ናብ ስራሕ ተኣቲዩ፡፡ ቅድሚ ኹሉ ብፍልጠትን ክእለትን ክምራሕ ስለዝግባእ ኣብ ሕድሕድ ትካል ዘለዉ ማነጅሜንትን ሰራሕተኛታትን ተኸታታሊ ስልጠናታት ብምሃብ፣ እቲ ክፍተት ብምርዳእ፣ ብኒሕን ብሕራነን ነቲ ዝነበረ ኩነታት ንምምሕያሽ ኩሉ ተረባሪቡ ተስፋ ዝህብ ለውጢ ክምፅእ ጀሚሩ፡፡ ብፍላይ ምስ ሃንደበታዊ መስዋእቲ ብሉፅ መራሒና መለስ ዜናዊ ተዛሚዱ ፍሉይ ሕራነ ተፈጢሩ ኩሉ ኣመራርሓን ሰራሕተኛን ከም ንህቢ ናብ ለውጢ ተሚሙ፡፡

 

ብመሰረት እዙይ ናይ ትካላትና ምዕባለ ብሓፂሩ ንምርኣይ ሱር ኮንስትራክሽን ቅድሚ ኣርባዕተ ዓመት ካብ ዝነበሮ ደረጃ ምዕባለ ሰለስተ ዕፅፊ ዓቢዩ እቶቱ ገዚፉ ናብ ዝተፈላለየ ዘፈር ስራሕቲ ንምውፋር ውዳበታቱ የመዓራሪ ምህላው፤ መሰቦ ስሚንቶ ፋብሪካ መጀመርታ ካብ ዝነበሮ ሓደ መስመር ተወሳኺ መስመር ብምስፋሕ ብዕፅፊ ወሲኹ ከምዘሎ፤ ኣዲስ መድሓኒት ፋብሪካ ዝነበሮ ዕዳ ከፊሉ ብዕፅፊ ምስፍሕፋሕ ከምዝጀመረ፣ ትራንስ ኢትዮጵያ ተወሰኽቲ ሓደሽቲ መካይን ብተደጋጋሚ ካብ ምዕዳግ ሓሊፉ ክንድኡ ዝኣክል ወይራ ትራንስፖርት ብምዕዳግ ዓርሱ ብዕፅፊ ከምዝዓበየ፣ መስፍን ኢንዳስቱሪያል ኢንጂነሪንግ ስራሕቱ ብምስፋሕ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ሓዱሽ ወርክሾፕ ምኽፋቱ፣ ሓደሽቲ ናይ ዝተፈላለያ ዓይነት መካይን/ዓበይትን ኣናእሽቶይን/ ምግጥጣም ምጅማሩን ሕዚ ድማ ልዕሊ ሚኢቲ ሄክታር ብምርካብ ናይ ምስፋሕ ስራሕቲ ይካየድ ምህላው፤ ሳባ ፋብሪካ እምነበረድ ዝፀንሐ ማሽናት ብሓደሽቲ ብምትካእ ዝተመሓየሸ ምዃኑ፣ ኣልመዳ ፋብረካ ዓለባ እንተኾነ እውን ካብ ዝነበሮ ኪሰራ ወፂኡ ዕድኡ ብምኽፋል ኣብ ናይ መወዳእታ ብርኪ ከምዝበፅሐን ኣብተን ካልኦት ትካላት በቢዓቕመን ምምሕያሻት ከምዘሎ ዘይከሓድን ብኣካል ምርግጋፅ ይከኣል፡፡

 

ብተመሳሳሊ ካብ ምስፋሕ ወፂእና ናብ ምትካል ሓደሽቲ ፋብሪካታት እንትንኣቱ ትእምት ኣብ ሃገርናን ምብራቕ ኣፍሪካን ፈለማይ ዝኾነ ዘመናዊ ግዙፍ ፋብሪካ ኬሚካላት ብልዕሊ 5ቢልዮን ብር ኣብ ምህናፅ ትርከብ፡፡ ብተመሳሳሊ ግዙፍ ናይ ሓፂን መፂን ፋብሪካ ንምትካል ኣብ ምሽብሻብ ትርከብ፡፡ እዚ ዕብየት ዝፈጠሮ ዝተዓፃፀፈ በዝሒ ሰራሕተኛ ምቐፃሩ ዘይተርፍ እዩ፡፡ ስለዝኾነ ኣይተ ሙሉጌታ ዘቐመጥዎ ሓሳብ ትካላት ትእምት ኣይሰሰናን ኣይዓበያን ዝበሃል ዘይወድዓዊን ነቲ ባይታ ዘይገልፅን ምዃኑ ብጭቡጥ ክነረጋግፀልኩም ንፈቱን ዓርስኹምን ከማኹም ዝበሉን ብኣካል መፂኹም ብዘይሰኸፈት ዑደት ንክትገብሩ ብኽብሪ ክዕድመኩም ይፈቱ፡፡

 

3.3.3. ናይ ግልፅነት ጉዳይ ኣብ ዋንነትን ተጠቃምነትን ትእምት ብዝምልከት

ብመሰረት ናይ ዓድና ሕግን መመስረቲ ፅሑፍን መተሓዳደሪ ደንብን ትእምት ሃፍቲ ትእምት ኣብ ኣጠቓላሊ ልምዓት ህዝቢ ትግራይ ክውዕል፣ ኣብ ዝኾነ ይኹን እዋን ንዝኾነ ይኹን ውልቀሰብ፣ ወይ ውልቀሰባት፣ ወይ ትካል ወይ ትካላት ተመሊሱ ኣይወሃብን፣ ኣይመሓላለፍን ወይ ኣይመቓቐልን ኢሉ የቕምጥ፡፡ በዚ መሰረት ትእምት በዓል ዋናኣ ህዝቢ ትግራይ ኮይኑ ትቕፅልን ተጠቃማይ ሃፍቲ ትእምት ህዝቢ ትግራይ ኮይኑ ይቕፅልን ተባሂሉ ብንፁር ቋንቋ ተቐሚጡ እዩ፡፡ ቀደሙ ከምኡ ነይሩ ሕዝውን ከምኡ ኣሎ፡፡ ንመፃኢ እውን ብሕጊ ዝተረጋገፀ ዋንነት ናይ ህዝቢ ትግራይ ኮይና ክትቅፅል እያ፡፡ ከምቲ ትፈልጥዎ ሕዚውን ዘሎን ሓዱሽ ዝተለወጠ ነገር ከምዘየለን ንሕብረልኩም፡፡ እዚ ከምዝተለወጠ ጌርካ ጎናጎኒ ምኻድ ካብ ሓቂ ዝረሓቐን ሕጋዊ መርትዖ ዘይብሉን ምዃኑ  ክፍለጥ ኣለዎ፡፡

በዛዕባ ዋንነት ህዝቢ ትግራይ ኩሉ ህዝቢ እኳ እንተዘይበልና ብኣገዳስነቱ ወሲድካ ኣብ ትእምት ብቕንዕና ይኹን ብዘይቅንዕና ዝተዛብዐ ኣተሓሳስባታትን ግንዛበን ብሰፊሑ ይንፀባረቕ እዩ፡፡ ዋንነት ዝኾነ ይኹን ቢዝነስ ትካላት ብመንግስቲ፣ ብጉጅለ/ሽርክና/፣ ብቤተሰብ፣ ብውልቀን ብህዝብን ክግለፅ ይከኣል እዩ፡፡ ኣብ ዓለምና ብሰፊሑ እንግንዘቦ ዓይነት ዋንነት ቢዝነስ ብዘይካ ናይ ህዝቢ ዋንነት እቶም ካልኦት ዝተገለፁ ልሙዳት ዓይነታት እዮም፡፡ ንምምሕዳሮም ብተነፃፃሪ ፍኹስ ዝበሉን ዝኾነ ይኹን ሰብ ብቐሊሉ ክርደኦም ዝኽእሉ ኣብ ርእሲ ምዃኖም ብዛዕባ ዋንነት ኣብ ዓይኒ ህዝቢ ኣትዮም ተኹረት ረኺቦም ኣአዚዮም ተዃሳሕቲ ናይ ምዃን ዕድል ዝፀበበ እዩ፡፡ ዝተፈላለየ ፅንዓታት ከምዝሕብርዎ ኣብ ዓለምና ከም ትእምት ዝበሉ ግዙፍ ትካላት እሞ ድማ ሃፍተ ገነቶም ቢቢልዮናት ዝግመት ብቐጥታ ብህዝቢ ዝውነኑ ቢዝነስ ትካላት የለውን ኢልና ኣፍና መሊእና እንዛረበሉ ናይ ታሪኽ ኣጋጣሚ እዩ፡፡

ስለዝኾነ ዋንነት ናይ ህዝቢ እነተይልና ኩሉ ብቐሊሉ ኣብ ግምት ዝወስዶ ናትና ስለዝኾና ብዓይኒ ዕሙተይ ናትና እጃምን (Unanimous Personal Presence) ናብ ሕድ ሕድ ጁባ ዝኣቱ ገንዘብን ኣበይ ኣሎ ኢልካ ምሕታት ብሰፊሑ ይረአ፡፡  እዚ መሰረት ብምግባር ዋንነት ንምርግጋፅ ኩሉ ህዝቢ ትግራይ ብፂሒት/ሸር ናይተን ትካላት ክኣቱ ኣለዎ ይብሉ ኣይተ ሙሉጌታ ገብረሂወት፡፡ ናይ ኣይተ ሙሉጌታ መደናገሪን ዘይእዋናዊ ሓሳብ ንምግላህ ጭቡጥ ኩነታት ክልልና እንትሪኢና ናይ ነብሲ ወከፍ ህዝቢ ትግራይ እቶት ኣዚዩ ኣብ መሃሙቕ ኣትዩ ኣብ ርእሲ ምፅንሑ ናይ ምዕዳግ ተኽእሎ(Purchasing Power Parity) ገና ኣብ ዘይደልደለሉ ኩነታትን ናይ ምዕቛር ባህሊ ኣብ ዘይጎልበተሉን እዩ ነይሩ፡፡ ብምዃኑ ነዚ ዘለናሉ ድኽነት ንምልዋጥ ጊዜ ስለዘይብልና ቀልጢፍና ካብ ድኽነት ወፂኢና ህዝብና ዝህፍትመሉን ናብ ማእኸላይ እቶት ንምብፃሕ ናይ ሞትን ህየትን ተጌሩ ተወሲዱ ዝፀዓር ዘሎ፡፡ እዚ ጉዳይ እዚ ምስ ኩሉ ዜጋ ነብሲ ወከፍ እቶቱ ናብ ማእኸላይ ደረጃ ምብፃሕን ትርኑዕ ዓቕሚ ምዕቛርን ኣተኣሳሲርካ ክረአ ዘለዎ ተርእዮ እዩ፡፡ ብጭቡጥ ግን ብፂሒት/ሸር ናይ ምዕዳግ ዓቕሚ መላእ ህዝብና ኣለዎ ዶ እንቴልና እቲ መልሲ እቲ መንገዲ ሒዝናዮ ህዝብና ድማ ሃፍተ ገነት ኣብ ምውህላል ዓቕሚ እናፈጠረ ይኸይድ ኣሎ ኮይኑ ግና ገና ኣይበፃሕን!! ስለዚ እቲ ጭቡጥ ኩነታትና ከምዘመልክቶ ትእምትን ትካላታትን ኣብ ውሱናት ሰብ ሃፍቲን ውሕድ ህዝብን እያ ክትወድቕ ብፂሒት ይሸየጥ እንተተብሃለ፡፡ ናይ ኩሉ ህዝቢ ምዃና ኣብ ሓደጋ ትወድቕ፡፡  ስለዚ ዋንነት ህዝቢ ትግራይ ብከለላ ሕግን ብመሓውራቱን ኣቢልካ ብቐጥታን ብተዘዋዋሪን ዋንነቱ ዝረጋገፀሉ ብምጥንኻር ምስራሕ እቲ ጭቡጥ ባይታናን እዋኑን ዘፍቅዶ ዩ፡፡ ብርግፅ ካብ ዝሓለፉ ሒደን ዓመታት ጀሚሩ ናይ ህዝብና ነብሲ ወከፍ እቶትን፣ ዕቋር ምዕባይን ናይ ምዕዳግ ተኽእሎን እናዓበየ ይመፅእ ስለዘሎ ናይ ብፂሒት ዕደጋ ክሕሰበሉ ዝኽእለሉ ባይታ ምፍጣሩ ዘይተርፍ እዩ፡፡ እዚ ሓሳብ ካብ ቀደም ዝተነፀረን ደረጃ ብደረጃ ምስኩነታት እናተዛመደ ዝትግበር ኮይኑ ብዓሚቕ ፅንዓት ሰኒኻ ዝረአ ይኸውን፡፡ እዚ ክመፅእ ከምዝኽእል ህወሓት ካብ ብቕደማ ብምእማት ትእምት እንትምስረት ኣትሒዛ እዚ ጉዳይ እዙይ ብንፁር ዝተቐመጠ ርሑቕ ዝጠመተ ኩነታት ኣብ ዝጠለቦ ብፅንዓት ዝትግበር እዩ፡፡

ከም መጀመሪ ኣብ ወጋገን ባንኪ፣ ሜጋ ሕትመትን ካልኦትን ብፂሒት ብምሻጥ ብሸር ክመሓደር ጌራ እያ፡፡ ኮይኑ ግና ኣብ ገጠር ዘሎ ህዝብና ብፂሒት ዝገዝአ ኣይኮነን፡፡ ብጭቡጥ ብፂሒት ዝገዝኦ ውሑዳት ሃፍታምን ዓቕሚ ዘለዎምን እዩም፡፡ ኣብዚ እውን ሓዱሽ ነገር ኣይትፈጠረን ግን ኣይተ ሙሉጌታ ከም መደናገሪ ወሲዶሞ ኣለዉ፡፡ ኣብዚ ተጠናኺሩ ክስራሕ ዘለዎ ትእምት ከም ትእምት ብትሉም መንገዲ ንህዝቢ ቀፃላይ ኣስተምህሮ እናሃበት ምስ እትኸይድ እቶም ዝተቐመጡ ሓቅታት እናተጨበጡ ስለዝኸዱ ብዛዕባ ትእምት ሓደ ዓይነት ኣረዳድኣ ኣብ ህዝቢ ብምፍጣርን  ነቶም ኮነ ኢሎም ስም ትእምት ብምፅላም ካብ ህዝቢ ንምንፃል ዝፅዕሩ ብምቅላዕ በይኖም ጠጠው ክብሉ ኣብ ምሕጋዝ  ዝለዓለ እጃም ይህልዎ፡፡

እቲ ካልኣይ ዝተልዓለ ጉዳይ ናይ ተጠቃምነት እንትኸውን ብተመሳሳሊ ዝተዝዓበ ግንዛበታት ዝተትሓዙ ይመስሉ፡፡ ናይ ህዝቢ እዩ እንትበሃል እንተሎ ኩሉ ነናብ ጅቡኡ ተሸሪፉ ገንዘብ ወይ ንብረት ዝኣቱ ብዘምስል መንገዲ ዝዛረብ ሰብ ኣዚዩ ብዙሕ እዩ፡፡ ከም ትእምት ዝበሉ ናይ ህዝቢ ንብረት ዝኾኑ ዝህብዎ ረብሓ ኣብ ክልተ ዓበይቲ ረብሓታት ከፊልና ክንሪኦ ንኽእልን ኣብ ውሽጡ ብዙሕ ዝርዝር ነገር ምልዓል ምተኽኣለ ኮይኑ ግና ሕፅር ብዘበለ መልክዑ ዝስዕብ ምርኣይ ይከኣል፡፡

ቀጥታዊ ረብሓታት(Direct Benefits)፤ ትእምት ኣብ ትግራይ ተኺላተን ዘላን ንቕድሚት እትተኽለን ትካላት ብውልቀ ሰብ ሃፍቲ ይኹን ብመንግስቲ ክስርሓ ዘይከኣላ ትካላት ቀጥታዊ ረብሓ ይህባ፡፡ ትካላትና ዘፍርየኦ ፍርያት ንህዝቢ ብቐጥታ ብምቕራብ ቀጠታዊ ረብሓ ኣብ ምሃብ ይሰርሓ ኣለዋ‑ማለት ስሚንቶ፣ ዝተፈላለዩ ክዳውንቲ፣ ፍርያት ሓፂን መፂንን መካይንን፣ መድሓኒታት፣ ፍርያት ቆርበት፣ ናይ መስኖ መሳርሕታት፣ ውፂኢት ጣዋሉ፣ ስራሕቲ ሕትመት፣ ህንፀት ፅርግያታት፣ ግድባትን ፋብሪካታትን፣ ግልጋሎታት መጓዓዝያን ንግድን ዝኣመሰሉ ብቐጥታ ንህዝቢ ረብሓ ዝህቡ ሸቐጣት ተቕርብ፡፡ ትካላት ትእምት በቢእዋኑ እናተወሰኸ ዝመፀ ልዕሊ 20000 ቀወምቲ ሰራሕተኛታትን ልዕሊ 10000 ድማ ኩንትራት ሰራሕተኛታት ቆፂረን የመሓድራ ኣለዋ፡፡ ነዚ ዝኽፈል መሃያ፣ ጥቕማጥቕን ኢንሹራንስን ብኣማኢቲ ሚልዮናት እዩ፡፡

 

ሰራሕተኛን ስድራታቱን ብቐጥታ ተጠቀምቲ እዮም፡፡ መነባብርኦም ውሕሱን ኣብ ምንካይ ስራሕ ስእነት ኣብ ትግራይ ትእምት ቀጥታዊ ረብሓ ትህብ፡፡ ዝተሃነፃ ኣብያተ ትምህርቲ፣ ሕክምና፣ ጽርግያታት፣ ግድባትን ስታዲዮምን ካልኦት ትካላትን ቀጥታዊ ኣገልግሎት ንህዝቢ ይህባ፡፡ ማሕበራዊ ፀገማት ኣብ ምእላይን ጠዋሪ ዘይብሎም ወገናት ብቐጥታ ዝወሃቦም ድጋፍ ቀሊል ኣይኮነን፡፡ ንመንግስቲ እንተኾነ እውን ቀጥታዊ ምምፃእ ናይ ወፃኢ ሸርፊ፣ ኣብ ሃገርና ዝለዓለ  ግብሪ ከፋልነት(ኣብነት ኣብ 2007 2.20 ቢልዮን ብር ብምኽፋል) ብምዃን ኣብ ምግልጋል ኣላን ኣብ ህንፀት እታ ሃገር ትእምት ዕዙዝ እጃም ኣለዋ፡፡ ምስ እዚ ብምትእስሳር እቶት ነብሲ ወከፍ ህዝብና ናብ ማእኸላይ እቶት እንትዓቢ ሃፍተ ገነት ናይ ምውህላል ተኽእሎታት ኣብ ዳርጋ ኩሉ ህዝቢና ስለዝዓቢ ካብ ዝዓቖሮ ብፂሒት ዝዕደገሉ ዕድል ብምዕባይ ተሳትፍኡ ዘረጋግፀሉን ዋንነቱ ዘጠናኽረሉ ኩነታት ኣሎ፡፡

 

ዘይቀጥታዊ ረብሓታት(Indirect Benefits)፣ ካብ እቶም ብጥማር ዝተቐመጡ ቀጥታዊ ረብሓት ዝፍልፍሉ ናብ እቲ ህዝቢ ብቐጥታ ናብ ጁባ ዘይኣትዉ ረብሓታት ማለት ኣብ እቲ ኢኮኖሚ ዘሎ ምንቅስቓስ ገንዝብን ግልጋሎታትን ይዕበ ይብዛሕ ካብ ዝህሉ ፋይናንሳዊ ልውውጥ ተጠቃምነት ኣሎ እዩ፡፡ ኣብ ከይዲ ምዕዳግ ምሻጥ ዑደት ውሽጢ ብምእታው ዘይቀጥታዊ ረብሓ ይህሉን ፍሰት እቲ ኢኮኖሚ ጥዑይን ጎልባታን ይኸውን፡፡ እዚኦም ዝኾነ ሰብ ብቐሊሉ ስለዘይርደኦ ምብራህ ኣገዳሲ እዩ፡፡ ንኣብነት ትእምት ኣብ ኣብያተ ትምህርቲ፣ ሕክምና ማእኸላትን ዝመሰላ ትካላት ሃኒፃ ንህዝቢ እንተርክብ እንተላ ኣብዚ ተቖፂሮም ዝሰርሑ ሰራሕተኛታት ዘይቀጥታዊ ተጠቀምቲ እዮም፡፡ ትእምት ንመንግስቲ እትኸፍሎ ቀረፅ ኣብ ልምዓት ክውዕል፣ መሃያ ክኽፈሎ ወዘተ ብተዘዋዋሪ ኩሉ ኢትዮጵያዊ ተጠቃሚ ይኸውን፡፡ ስለዚ ተጠቃምነት ብዝተፈላለየ መልክዕ ዝግለፅ ኮይኑ ትእምት ናይ ህዝቢ እያ እንትበሃል እንተሎ ዓቕሚ ዘፍቅዶ ንህዝብን ህዝብን ጥራሕ ትጠቅም፡፡ ብዝያዳ ትእምት እናጎልበተት እንትኸይድ ድማ ተጠቃምነት ህዝብና ብቐጥታ ይኹን ብተዘዋዋሪ እናዓበየ ይኸይድ፡፡ ካብዚ ወፃእ ዝኾነ ትካል፣ ውልቀሰብ እንኮላይ ውድብ ህወሓትን መራሕታን ክጥቀመሉ ዘኽእልሉ ኩነታት ብኣሰራርሓ ይኹን ሕጋዊ መንገዲ ዘይብሉ ካብ ቀደሙን ንሓዋሩን ዕፅው እዩ፡፡

 

3.3.4. ብዛዕባ ግልፅነት ትእምት ኣብ ኣሰራርሓታታ

ትእምት ሃፍተ‑ገነታ እንተዋፍሮ ዘላ ኣብ ትግራይ ንዝካየዱ ኢኮኖሚያዊ፣ ማሕበራዊን ካልኦት ንጥፈታት ተሳታፊት ብምዃን ምዕባለ ትግራይ ብቐፃልነት ክረጋገፅ ምእንታን እዩ፡፡ ትእምት ብሃገር ደረጃ ተቐባልነት ዘለዎን ዝፀደቐን ናይ ባዕላ መመስረቲን መተሓዳደርን ሕገ ደንቢ ዘለዋ፣ ንፁር ፖሊሲን ስትራተጅታትን ብምውፃእ ካብዚኦም ዝብገስ ልምዓታዊ ፕሮጀክታትን ብምሕንፃፅ ትትግብር ኣላ፡፡ ፅፉፍን በቢእዋኑ እናተመሓየሸ ዝኸይድ ትካላዊ ኣወዳድባ፣ ዝተፈላለዩ መስራሓት ብምድላው ኣብኦም ተመስሪትካ ስትራተጅያውን ዕለታዊን መደባታ ትፍፅም፡፡ ብመሰረት ሕግን ደንብታትን ስርዓት ክትትልን ደገፍን ኣብ ምሃብ ትርከብ፡፡

በዚ መሰረት ትእምት ዝሓዘቶ ዕላማታት ንምዕዋት ካብ ሕብረተሰብ ትግራይ ዝተወፃፀአ፣ ሓፋሽ ማሕበራት፣ ካብ መንግስታዊ ኣካላትን ኣካል ጉዳኣት ኲናትን ዘካተተ ቤት ምኽሪ ኣለዋ፡፡ እዚ ቤት ምኽሪ መደበኛ ጉባኤ ኣብ ዘካይደሉ እዋን ዝተፈላለየ ስትራተጅያዊ ትልምታትን ውሳነታትን ብመስርሕ የመሓላልፍ፡፡ ብመሰረት እዚ እቲ ቤት ምኽሪ ብስም ህዝቢ ትግራይ ብሕድሪ ዝተውሃቦ ገንዘብን ንብረትን ብዝለዓለ ተኣማንነት ሕድሩ ኣፅኒዑ ብምሓዝ ኣብ ናይቲ ክልልን ህዝብን ቀፃላይ ልምዓት ምውዓሉ የረጋግፅን ይቆፃፀርን፡፡ ቤት ምኽሪ ትእምት ናይ ደገ ኦዲተር ቆፂሩ ሃፍተ ገነቱ ይቆፃፀር፡፡ ብመሰረት ዝተውሃበ ሪኢቶ ሃናፂ መስተኻኸሊ ይገብርን ንህዝቢ ብዝተፈላለየ ሚዲያታት የፍልጥን፡፡ ብተወሳኺ ኣብ ዝተቐመጠ ጊዜ ሰሌዳ ድማ ናብ ትካላት ዑደት ብምግባር ብኣካል ይከታተል ሃናፃይ መስተኻኸሊ ሓሳባት ይህብን፡፡ ቤት ምኽሪ ትእምት ኣብ ዝገብሮ ስሩዕ ዋዕላታት ናይ በቢጊዚኡ ዘዳልዎ ትልሚን ናይ መደብ ኣፈፃፅማ ፀብፃብ ገምጊሙ ብተዋረድ የቕርብን ንመንግስቲ ድማ የፍልጥ፡፡

ተፈፃምነቱ ንምክትታል እቲ ቤት ምኽሪ በዓል ሓደራ ቦርድ ብምጥያሽ ኣብ ትሕቲኡ ናይ ኢንቨስትመንት ማእኸልን ቤ/ፅ ስራሕቲ ምግባረ ሰናይ ብምውዳብ መደባቱ ኣብ ምፍፃም ይርከብ፡፡ በዓል ሓደራ ቦርድ በቢሰለሰተ ወርሒ ብምእካብ መደባቱ ይግምግምን ከከም ኣድላይነቱ ብኣካል ትካላት ይጉብንን ኣድላይ ናይ መጠናኸሪ ሓሳባት ይህብን፡፡ በዓል ሓደራ ቦርድ ትእምት ናይ ደገ ኦዲተር ቆፂሩ ሃፍተ ገነቱ ይቆፃፀር፡፡ ብመሰረት ዝተውሃበ ሪኢቶ ሃናፂ መስተኻኸሊ ይገብርን ንህዝቢ ብዝተፈላለየ ሚዲያታት የፍልጥን፡፡ ሕድሕድ ትካላት ትእምት ዝተውሃበን ዕማም ኣብ ምፍፃም ብምዝማድ ነፃነተን ሕልው ኮይኑ ስራሕተን ብዕውት መንገዲ ክፍፅማ ደጋፋይ ኣመራርሓ ይውሃበን፡፡ ስራሕተን ብናይ ውሽጢ ኦዲተርን ናይ ደገ ኦዲተርን እናተደገፋ ይሰርሓን ብእዋኑ ተኣማናይ ፀብፃብ የቕርባ፡፡ ሕድሕድ ትካላት ብፅንዓት ደጊፈን ናይ ምስፍሕፋሕ ሕቶ እንተቕርባ ብማንጅመንት ኮሚቴ ፀዲቑ ቦርድ እንተፅድቖ እንተሎ ናብ ተግባር ይእቶ፡፡ ሓዱሽ ኢንቨስትመንት ክስራሕ እንትሕሰብ ተመሳሳሊ መስርሕ ሓሊፉ እዩ ናብ ስራሕ ዝእቶ፡፡

ብርግፅ ዘለዉ መስርሓት ምስ ኩነታትን እናተዛመዱ ዳግም ዝፍተሽሉን ብጽንዓት ተደጊፉን ዝምዕብለሉ መስርሕ እኳ እንተሃለወ መሊእኻ ኣብ ምትግባር ክፍተታት ኣሎ እዩ፡፡ ብተመሳሳሊ መንገዲ ሓዱሽ መስርሕ ዝጠልብ ኩነታት እንተጋጥም ፅንዓት መሰረት ብምግባር ዝዳለወሉ ኩነታት ኣሎ፡፡ በዚ መስርሕ ኣቢልካ ምስ ባህሪ ዕማማት ብምትእስሳር ናይ ኢንቨስትመንት ይኹን ናይ ምግባረ ሰናይ ስራሕቲ ብመስርሕ ኣቢሉ ይሓልፍ፡፡ ብዛዕባ ኣብያተ ትምህርቲ ቢሮ ትምህርቲ ብትግራይ ደራጃ ዘሎ ናይ ህዝቢ ጠለብ ብምርኣይን ብዝተቐመጠ መለለይ ረቛሕታት ብምምዛን ቀደምነት ሰሪዖም ሕቶ ንትእምት የቕርቡ፣ ናይ ስድራ ስውኣት፣ ናይ ኣካልጉድኣት፣ ናይ ሕክምናን ካልኦት ዝወሃቡ ደገፋት ብትካላዊ መስርሕን ምስ መንግስትን ኮይንኻ ብብዝምልከቶም ቢሮታት ብዝግባእ ተመዚኖም ብቕደም ሰዓብ ዝሓልፍ እምበር ብዘለካ ውልቀ ፍልጦን ኣድልዎን ዝትግበር ኣይኮነን፡፡  ንሱ ስለዝኾነ እውን ኣብ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ትእምት ጋዜጠኛታትን ድሌት ዘለዎም ዜጋታት ብምስታፍ ግሉፅ ምይይጥ ተጌሩ ብሚድያን ብዓይጋ ፎሮምን ብዘይ ዝኾነ ይኹን ምቑርማም  መላእ ህዝቢ ክሰምፆ ዝተፈነወ፡፡ ካብዚ ንላዕሊ ግልፅነት እንተልዩ እውን ትእምት ክተማዕብል ድልውቲ እያ፡፡

ምስእዚ ተኣሳሲሩ ዝረአ ኣይተ ሙሉጌታ ዘልዐልዎ ጉዳይ ትእምት ካብ ስራሓ ወፃእ ትሰርሕ ኣላ፡፡ ንኣብነት ናይ መንግስትን ናይ ትእምትን ስራሕቲ ብዘይፈሊ ኣገባብ ናይ ከተማታት ማስተር ፕላን ኣብ ናይ ከተማ ኢንዱስትሪታት ክኾና ዝተሓሰባ ኣተኣሳሲርካ ናይ ከተማ ፕላን ምውፃእ ትኽክል ኣይኮነን ይብሉ፡፡ ኢንዱስትሪ ምስፋሕ እንትሕሰብ ምኽታም ዘይተርፍ ምስቲ ምዃኑን ብኣግኡ ናይ ከተማ ፕላን ምቕማጥ ኣገዳሲ እዩ፡፡  ናይ ምኽታም መስርሕ ምኻድናን ምርግጋፅ ምዕባለ ኢንዱስትሪ ንምምፃእን ናይ ክልቲኡ መስተጋብር ብኣግባቡ ክምራሕ ስለዘለዎ ትእምት ነዚ ቀልጢፉ ብምውሳድ ምስ ዝምልከቶ ቢሮ ብምዝርራብ ድጋፍ እንተገበረ ይበል የብል እምበር ኣይስርሑን ኢልካ ምቕማጥ ተመራፂ ኣይኮነን፡፡

  1. ምስ ምግባረ ሰናይ ተዛሚዱ ዝተልዓለ ብዝምልከት

ትእምት ካብቲ ዝተመስረትሉ ቀንዲ ዕላማታት ሓደ ማሕበራዊ ልምዓት ህዝቢ ትግራይ ንምርግጋፅ ኣብ ዝግበር ፃዕሪ ንጡፍ ተሳትፎ ምግባር እዩ፡፡ በዚ መሰረት ትእምት ካብ እትምስረት ጀሚራ መልክዕ ብዘይሓዘ መንገዲ ድጋፍ እናሃበት ከምዝመፀት ኣይተ ሙሉጌታ ትፈልጥዎ ጉዳይ እዩ፡፡ ኮይኑ ግና ካብ 2006 ኣ.ም. ጀሚራ ስራሕቲ ምግባረ ሰናይ ዝጥምት ቤት ፅሕፈት ኣጣይሻ ናይ ማሕበራዊ ልምዓት ፖሊሲ ኣውፂኣ፣ ንዑዑ መፈፀሚ መስርሕ ብምድላው፣ ካብ ሕድሕድ ትካላት ዝርከብ ትርፊ ካብ 10 ሚኢታዊት ዘይንእስ ብፂሒት ፈሰስ ብምገባር ቅድሚ ሕዚ ተሰሪሖም ዘይፈልጡ ስራሕትታት ማሕበራዊ ልምዓት ምስ መንግስትን ህዝብን ብምትሕብባር ኣብ ምስላጥ ትርከብ፡፡

 

ዝተወሰነ ንጥፈታት ንምጥቃስ ዝኣክል 11 መሰናዶ ካልኣይ ብርኪ ቤ/ት ብልዕሊ ብር192.0 ሚልዮን ኣብ ምህናፅ ትርከብ፡፡ ካብዚኤን እተን ሓሙሽተ ተመሪቐን ኣገልግለት ኣብ ምሃብ ይርከባ፡፡ ክልተ ቴክኒክን ሞያን ብልዕሊ ብር 36.0 ሚልዮን ኣብ ምህናፅ ትርከብ፡፡ ንልዕሊ 12000 ጠዋሪ ዘይብሎም ስድራ ስውኣት ካብ ፍርቂ 2007 ኣ.ም. ጀሚሩ ብድምር ብር 90.0 ሚልዮን ወርሓዊ ድጎማ ትህብ ኣላ፡፡ ንሓዋሩ ብቐዋሚነት ቁፅሪ ተደገፍቲ ክብ ብምባል በቢዓመቱ ብር 70.0 ሚልዮን ብምምዳብ ትሰርሕ ኣላ፡፡ ግልጋሎት ጥዕና ክብ ንምባል ኣኽሱም ሆስፒታል ብር 20.0 ሚልዮን ሃገዝ ሂባ፡፡ 10 ኣምቡላንስ ብልዕሊ ብር 10.0 ሚልዮን ዓዲጋ ኣላ፡፡ ሓደጋታት ድርቂ ኣብ ሰብ ይኹን እንስሳት ንምንካይ ልዕሊ 60.0ሚልዮን ብር ዝግመት ድጋፍ ሂባ እያ፡፡ ንምዕባለ ሳይንስን ቴክኖሎጅ፣ ንኣካልጉዳኣት ኲናት፣ ንማሕበር ደቂ ኣንስትዩ፣ ሞያዊ ስልጠና ንመናእሰይ፣ ንምዕባለ ደቀቕትን ኣናእሽተይን ትካላትን ሕክምናዊ ድጋፍን ብርክት ዝበለ ድጋፋት ኣበርኪታ፡፡ ኮይኑ ግና ምስቲ ዝመፅእ ዘሎ ገዚፍ ጠለብን ዓቕሚ ናይ ትእምትን ስለዘይመጣጠን ብመስርሕ መሰረት ንኹሉ ምትእንጋድ ዓቕሚ ስለዝድርት ኩሉ ጠለብ ትእምት ጥራሕ ክትምልሶ ስለዘይትኽእል ካብዚ ዝብገስ ዘይምዕጋብ ከምዘሎ ዘይሰሓት እዩ፡፡ እቲ ኣገዳሲ ጉዳይ ግና ትእምት ኣብ ምንጣፍ ማሕበራዊ ልምዓት እትሰርሖ ዘላ ማሕበራዊ ሓላፍነት ዝንኣድ ኮይኑ ንመፃኢ ምስ መንግስትን ህዝብን ብምዃን ብትሉም መንገዲ ስራሕቲ ምግባረ ሰናይ ኣጠናኺራ ክትቅፅለሉ እያ፡፡

 

ብምጥቕላል ትእምት ገዚፍ ዓቕሚ ልምዓት ህዝቢ ትግራይ ዝኾነት፣ ባዕሉ ህዝቢ ትግራይ ዝውንናን ካብኣ ዓቕሚ ብዘፍቅዶ መጠን ተጠቃሚ ዝኾነን፣ ግልፅን ተሓታትነት ዘስዕብ ኣወዳድባን ኣሰራርሓን ከምዘለዋ፣ ቅኑዕ ልምዓታዊ ፖሊስን ስትራተጅን ዝሓዘትን ካብዚ ዝብገስ ናይ ነዊሕን ሓፂርን መደባት ሓንፂፃ ብምትግባር ኣብ ምምሕያሽ ናብራ ህዝቢ ትግራይ ትሰርሕ ዘላን ዓብይ ኢንዱስቱሪያላዊ ዓቕሚ ትግራይን ኢትዮጵያን ዝኾነት ግዙፍ ትካልና እያ፡፡ ኣመራርሓ ትእምት ናይ ህዝቢ ሓደራ ተቐቢሉ ብዝለዓለ ሓላፍነት፣ ተወፋይነት፣ ነቲ ስራሕ ንምምራሕ ዘኽእል ፍልጠትን ክእለትን ዝሓዘን ዝተወደበን ብቐፃልነት ዝምዕብልን፤ ናይ ሃገርናን ናይ ዓለም ኩነታት ቢዝነስ እናገምገመ ብንቡር ኣገባብ ሃፍቲ ትእምት ከሰስን ላዕልን ታሕትን ዝብልን ኣብ ከይዲ ኣፈፃፅማ መደባት ግቡእ ተሳትፎ ዝገብርን ትምህርቲ ወሲዱ ክትግብር ዝፅዕርን እዩ፡፡ ስለዝኾነ ነዛ ክትምሃር ድልውቲ ዝኾነት ትእምት ብመሪር ቃልሲ ህዝቢ ትግራይ ደም ከፊልና ዝጠረናያ ዓርሞሸሽ ዓቕሚና ኣብ ዝኾነ ይኹን እዋንን ኩነታትን ጠንኪርና ካብ ጥቕዓት ፀላእትና ክንሕልዋን ክንሕሕባን ዝግበአና ዘላቒት ሓፍትና እያ፡፡

 

ካሕሳይ ልምዓት

ካብ መሰቦ ፋብሪካ ሲሚንቶ

መቐለ