Widgetized Section

Go to Admin » Appearance » Widgets » and move Gabfire Widget: Social into that MastheadOverlay zone

ህወሓት ዝፈጠረቶ ፀላኢ ህዝቢ ትግራይ የለን!

tigray flag

ሓደ ሓዳ ሰባት ህዝቢ ትግራይ ኣብዚ ሐዚ እዋን ፀላእቲ ይበዝሕዎ ኣለው፣ህዝቢ ትግራይ ፀላኢ ክበዝሖ እትገብር ዘላ ድማ ህወሓት እያ፣ብስንኪ ህወሓት ፃላእቲ ይበዝሑና ኣለው ክብሉ ይስማዑ እዮም፡፡ ብሕልፊ ኣብ ክልል ኣምሓራ ንተጋሩ ፈሊኻ ምጥቃዕ ምስተርኣየ ህዝቢ ትግራይ ክንዲ ዝተቃለሰ ፀላኢ በዚሕዎ እዚ ድማ ብስንኪ ህወሓት እዩ ዝብሉ ሰባት ንሰምዕን ንርኢን ኣለና፡፡ እዚ ክንዲኣየናይ ሓቅነት ዘለዎ ዘረባ እዩ? ብስሩኻ እዞም ፃላእቲ በዓል መን እዮም? እዞም ፀላእቲ ብትክክል ህወሓት ድያ ፈጢራቶም? ቅድሚ ህወሓት ምፍጣራ እዞም ፀላእቲ ኣይነበሩን ማለት ድዮም? ኢልካ ምሕታት ምስ እትጅምር ግን እዞም ዘረባታት ዝጭበጥ ነገር ከምዘይብሎም እዩ ዘርኢ፡፡ብስሩ እውን ብስንኪ ህወሓት ዝተፈጠሩ ፃላእቲ እንተ ዝህልውኸ ህውሓት እያ ፈጢራቶም እሞ ኢድና ማይ ዓኺትና ንፅበዮም ማላት ድዩ? በዚ መልክዕ እንትረኣይ እውን ዝጠቅም ሓሳብ አይኮነን፡፡
ኣብዚ ሐዚ እዋን ዘለው ፃላእቲ ህዝቢ ትግራይ ናይ ትምክሕቲ ሓይልን ሻዕብያን እዮም ካብዚኦም ንላዕሊ ፃላኢ ህዝቢ ትግራይ የለን ፡፡ሓይሊ ትምክሕቲ ፃላኢ ህዝቢ ትግራይ ዝኾነ ሐዚ ኣይኮነን ደመኛ ፀላኢ ህዝቢ ትግራይ ምዃኑ ዘረጋገፀ ካብ እዋን ሃፀይ ዮውሃንስ ጀሚሩ እዩ ፡፡ድሕሪ ሞት ሃፄየውሃንስ ድማ ምንሊክ ንህዝቢ ትግራይ ከም ፀላኢ ሪኡ ብተግባር ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ በደል ፈፂሙ ንህዝቢ ትግራይ ከምህዝቢ ክድቆስ ገይሩ ነዚ ናይ ምንሊክ ተግባር ሃፄ ሃይለስላሰን ደርግን ድማ ብዝበኣሰ ቀፂሎምሉ፡፡ንህዝቢ ትግራይ ከምህዝቢ ክበርስ ዘይፈንቀልዎ እመኒ ኣይነበረን፡፡እዚ ንምንታይ ኮይኑ እንተኢልና ንኹላትና ግልፂ እዩ ህዝቢ ትግራይ ካብ ጥንቲ ጀሚሩ ብመሰሉ፣ብመዓርነቱ ተደራዲሩ ስለ ዘይፈልጥ እዩ፡፡ብዝረኸቦ ኣጋጣሚ ኹሉ ድማ ኣንፃር ትምክሕተኛታት ቃልሱ ንሓንቲ መዓልቲ እውን እንተኾነት ደው ኣቢሉ ኣይፈልጥን ህዝቢ ትግራይ፡፡ግን ድማ ሓድነቱ እንትልሕልሕ ኣደዳ እዞም ፀላእቱ እንትኸውን እንትሓብር በቲ ፈተኽ ዘይብል ቅልፅሙ እንግድዓ ፀላእቱ እናሰበረ ዓወት ዝድረር ህዝቢ ምዃኑ ፈታውን ፀላእን ዝፈልጦ ሓቂ እዩ፡፡ነዚ ካብ ሓፂን ዝተርር ህዝቢ ሓይሊ ትምክሕቲ ፀላኢኡ ዘይኮነ መን ክኸውን ኢና ንፅበ? ህዝቢ ትግራይ ኣንፃር ትምክሕቲ ብዙሓት ቃልስታት ድሕሪ ምግባር ኣብ መወዳእታ ምስ ውድቡ ህወሓት ኮይኑ ንሓይሊ ትምክሕቲ ስልጣኖም ኣሕዲግዎም ትመክሕቲ ኣብዛ ሃገር ዳግም ገባሪ ሓዳጊ ከይኸውን ተገይሩ እዩ፡፡ስለዚ እዞም ትምክሕተኛታት ኣብ ዝረኸብዎ ኣጋጣሚ ከካብ ዝነበርዎ ዃና እናወፁ ኣንፃር ህዝቢ ትግራይ ምዝማቶም እንታይ ዝገርም ነገር ሃልይዎ እዩ ነዞም ታሪኻውያን ፀላእቲ ህዝብና ህወሓት ከምዝፈጠረቶም ህዝቢ ትግራይ ፀላኢ በዚሕዎ ህወሓት ፀላእቲ ኣብዚሓትሉ ዝብሉ ዘለው፡፡የግዳስ እዚ ናይ ትምክሕተኛታት ኣንፃር ህዝቢ ትግራይ ዝገብርወ ወፍሪ ንህዝቢ ትግራይ ዳግም ክሕርን፣ሐዚ እውን ኣንፃር ትምክሕቲ ቀበትኡ ኣስጢሙ ክቃለስ እዩ ዝገብሮ ፡፡
ሓይልታት ትምክሕቲ ካብ ጥንቲ ዝነበሩ፣ሐዚ እውን ዘለው፣ንቅድሚት ህውን ዝህልዎ ደመኛታት ፀላእቲ ህዝቢ ትግራይን መላእ ህዝቢ ኢትዮጵያን እዮም ፡፡ስለዚ እዚ ሓይሊ ካብ ቀደሙ ፀላኢ ህዝቢ ትግራይ ምዃኑ ካብ ፈለጥና ምስ እዚ ሓይሊ ሐዚ ዝፍጠር ፍቅሪ ምትእምማን ይኹን ምልምማፅ ኣይህሉን መፍተሒኡ ሐዚውን ኣንፃሮም ምቅላስን ምቅላስን ጥራሕ እዩ፡፡
እቲ ኻልኣይ ፀላኢ ህዝቢ ትግራይ ድማ ሻዕብያ እዩ፡፡ሻዕብያ ካብ ተፈጥርኡ ይትረፍ ንህዝቢ ትግራይ እንኮላይ ነቲ ተቃሊሰልካ ዝብሎ ህዝቢ ኤርትራ እውን ፀላኢኡ እዩ፡፡ብዓይኒ ሻዕብያ ፈታዊየይ ዝብሎ ህዝቢ የለን፡፡ሻዕብያ ቅድሚ ህወሓት እዩ ተፈጢሩ ፡፡ካብ መፈጠሩ ግን ንህዝቢ ትግራይ ከም ፈታዊ ሓው ህዝቢ ኤርትራ ገይሩ ሩእዎ ኣይፈልጥን፡፡ ባህሪኡ እውን ስለ ዘይኮነ፡፡ኣብ 1977ዓ/ም ዝነበረ ድርቂ ህዝቢ ትግራይ ናብ ሱዳን ሰጊሩ ሓገዝ ክረክብ ዝነበረ ወፍሪ ሂወት ኣድሕን ብላዕሊ ነፈርቲ ደርጊ፣ብታሕቲ ወተሃደራት ደርጊ፣በቲ ድርቂ ዘስዐቦ ጥምየትን ህልቀትን ኣብ ዝነበረሉ ግዜ እኳ ንህዝቢ ትግራይ ዋላ ከም ህዝቢ ይህለቅ ብምባል መንገዲ ዓፅዩ ኣየሕልፍን ዝበለ ሻዕብያ ብምንም መዐቀኒ ፈታዊ ህዝቢ ትግራይ ክኸውን ኣይኽእል፡፡ኣብቲ ግዜ ሻዕብያ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝፈፀሞ ግፍዒ ይትረፍ ንህዝቢ ዝቃለስ ውድብ ሰይጣን እኳ ይሓስቦ እዩ ይገብሮ እዩ ኢልካ ንምግማት ዘፀግም እዩ፡፡ግን ሻዕብያ ገይርዎ፡፡እዚ ካብ ተፈጥርኡ ፃላኢ ህዝቢ ዝኾነ ሻዕብያ ህወሓት ኣይፈጠረቶን ድሕሪ ጦርነት ኢትዮ ኤርትራ ድማ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዘለዎ ፅለኣት ዓለም ኩሉ ፈሊጥዎ እዩ፡፡እዚ ብዝረኸቦ ኣጋጣሚ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝዘምት ሻዕብያ እንተስ ብናይ ውሽጡ ኩነታት እንተስ ብጉልበት ካብ ስልጣኑ ከይተኣለየ ፅልኣቱ ንምግላፅ ሓደጋ ካብ ምብፃሕ ንድሕሪት ከምዘይብል ወድዓዊ ሓቂ እዩ፡፡
ብምጥቅላል ህዝቢ ትግራይ ፀላኢ ዝበዝሖ ዘሎስ ብስንኪ ህወሓት እዩ ዝብሉ ሰባት ኣብ መንጎ ህወሓትን ህዝቢ ትግራይን ‘ዶ ነቓዕ ይፍጠር ይኸውን ዝብሉ ተስፈኛታት እዮም፣ ወይ ከዓ ኣመፃፅኣ ናይዞም ፀላእቲ ዘይፈልጡ እዮም፡፡ህዝቢ ትግራይ ግን ካብ ጥንቲ ጀሚሩ ፀላእቱ ፈልዩ ይፈልጥ፣ፀላእቱ ድማ ካብ ሓፋሽ ህዝቢ ፈልዩ ከም ዝቃለሶም አፀቢቁ ይፈልጥ ህዝቢ ትግራይ፡፡ህዝቢ ትግራይ ምስ ትምክሕተኛታት እምበር ምስ ህዝቢ ኣምሓራ ተኸባቢሩ እዩ ዝነብር ምስ ሻዕብያ እምበር ምስ ህዝቢ ኤርትራ ፅልኢ የብሉን፡፡ ሐዚ እውን ኣንፃር ህዝቢ ትግራይ ኣብ በቢዘለውዎ ኮይኖም ሑሕ እናበሉ ኣጥፋእናካ ዝብልዎ ዘለው ፀላእቱ ንሳቶም እዮም እቶም ዝነበሩ ሓደሽቲ ፀላእቲ ኣይመፅዎን፡፡ ነዚኦም ድማ ከም ወትሩ ዕጣቅኻ ኣስጢምካ ሓቢርኻ ሰሚርካ ከም ዝሰዓሩ ህዝቢ ትግራይ ኣፀቢቁ ይፈልጥ፡፡ ህዝቢ ትግራይ ምትርኣሱ ፃፀ እዩ ኣንፃር ፀላእቱ ንፃት እውን እንተኾነ ስልም ኣቢሉ ኣይፈልጥን፡፡
ክብሪ ነዚ ካብ መትከሉ ምዕይ ዘይብል ጀግና ህዝቢ ትግራይ!

 

One Response to ህወሓት ዝፈጠረቶ ፀላኢ ህዝቢ ትግራይ የለን!