Widgetized Section

Go to Admin » Appearance » Widgets » and move Gabfire Widget: Social into that MastheadOverlay zone

ፅጋቡ ገ/ማርያም ኣብ ቱር ደ ፍራንስ ፅቡቅ ውፅኢት እናበዝገበ ይርከብ

13590465_969631193135057_4629278021761968966_n (1)

ቱር ደ ፍራንሰ! 4ይ ዙርያ: 237.5 ኪሎ ሜትሮ ካብ ሳሙር ናብ ሊሞስ!
እንዃዕ ደሰ በለኩም ደሰ በለና!
ኣብ ቱር ደ ፍራንሰ ይሳተፍ ዘሎ ብሽክሌተኛ ፅጋቡ ገ/ማርያም ሎሚ ኣብ ዝተኻየደ 237.5 ኪሎ ሜትሮ ዝሸፈነ ንሕንሕ ካብ ምድብ መናእስይ መበል 14 ደረጃ ብምሓዝ ተዓዊቱ!
ብሓፈሻዊ ውፅኢት ድማ ካብ 198 ብሽክሌተኛታት መበል 60 ደረጃ ሒዙ ውድድሩ ዛዚሙ! ፅጋቡ ገ/ማርያም ሎሚ ኣመዝጊብዎ ዘሎ ውፅኢት ኣዝዮ ዓብይ ዝብሃል እዮ!
ኣብዚ ናይሎሚ ውድድር ንፅጋቡ ቐዲሙ ዝኣተወ ኣፍሪካዊ ብሽክሌተኛ የለን!
ኤርትራውያን ዳንኤል ተ.ሃይማኖት መበል 145: ናትናኤል ብርሃነ ድማ መበል 197 ደረጃ ሒዞም ውድድሮ ዛዚሞም!
ጀርመናዊ ማርስል ኬትል ካብ ቤልጄማዊት ጋንታ ኲክ ሰቴፕ 1ይ ብምውፃእ ሰዒሩ! ማርስል ኬትል ነዚ ውድድር ንምዝዛም 5 ሰዓት 28 ደቒቓን 30 ሰከንድን እዮ ወዲእሉ!
እዚ ውድድር ኣብዚ ዓመት ካብ ዝካየድ ውድድራት እቲ ዝነውሐ እዮ!