Widgetized Section

Go to Admin » Appearance » Widgets » and move Gabfire Widget: Social into that MastheadOverlay zone

ኣብ ጐንደር ዝነበረ ዕግርገር ህዝቢ ወልቃይት ኣቀዲሙ ኣሚትዎ ነይሩ እዩ

13690571_662006697286573_7471009454826153821_n

ኢህወዴግ ድሕሪ ተሃድሶ ሓደጋ ስርዓትና ኢሉ ካብ ዘነፀሮም ጉዳያት ናይ ኪ/ኣካብነት ኣተሓሳስባን ተግባርን መግለፅታቱ ዝኾኑ ናይ ትምክሕትን ፀቢብነትን ኣተሓሳስባ እዮም፡፡ እዞም ኣተሓሳስባታት ብወያናይ ዴሞክራስያዊ ኣተሓሳስባን ልምዓታዊ መንገድን ልዕልነቶም እንተዘይተመንጢሎም ሃገር ክሳብ ምብታን ከምዘብፅሑ ብዘይኣሻሚ መንገዲ ኣነፂርዎ ሓዲሩ እዩ፡፡ ናይዚ ፅሑፍ ዕላማ ግን ምስ ኣብ ጎንደር ኣጋጢሙ ዝነበረ ግጭት ማእኸል ዝገበረ ስለ ዝኾነ ናይዚ ግጭት ፍልፍል ድማ ናይ ትምክሕቲ ኣተሓሳስባን ትምክሕተኛታትን ብምዃኖም ኣብ ዙርያ ተግባራት ትምክሕቲ ዘተኮረ እዩ፡፡
ከምዝፍለጥ ኣብ ሃገርና ናይ ትምክሕቲ ሓይሊ ንልዕሊ ምኢቲ ዓመት ገበሪ ሓዳጊ ኮይኑ ኣብ ስልጣን ፀኒሑ እዩ፡፡ስርዓት ትምክሕቲ ኣብ ልዕሊ ህዝብታት ኢ/ያ ዘስዕቦ ዝነበረ ጭቆና ከቢድ እዩ ነይሩ፡፡ህዝብታት ብመንነቶም ዝሸማቀቀሉ፣መንነቶም ክሸጡ ዝግደድሉ፣ብእምነቶም ዝሓፍርሉ፣ብቋንቀኦም ምምሃር እሞ ይትረፍ ብቋንቆኦም ምዝራብ ዝሓፍርሉ፣ናይ ብሄር መንነት ዘይፍለጠሉ፣ሃገር ኣብ ኣፍ ደገ ምብታን ዘብፀሐ ፍፁም ፀረ ዴሞክራሲ ዝኾነ ስርዓት እዩ ነይሩ ፡፡ ህዝብታት ኢ/ያ ብፍላይ ህዝቢ ትግራይን ህወሓትን እዚ ናይ ትምክሕተኛታት ሰርዓት ኣብ ልዕሊ ህዝብታት ብዘብፀሖ ዝነበረ ግፍዒ ተማሪሮም ብረት ኣልዒሎም መስዋእቲ ኸፊሎም ካብ እንግደዓ ህዝብታት ኢ/ያ ክውገድ ገይሮምዎ እዮም ፡፡ኣብ ሃገርና ልዕልነት ትምክሕቲ ብመሪሕነት ኢህወዴግ ተመንዚዑ ትምክሕተኛታት ካብ ስልጣኖም ወሪዶም ዳግም ገበርቲ ሓደግቲ ናብዘይኾንሉ ብርኪ ተበፂሑ፡፡ ኮይኑ ግን እዞም ናይ ትምክሕቲ ሓይልታት ልዕልነቶም፣ስልጣኖም ዋላ ይመንጠሉ ኣተሓሳስበኦም ግን ሐዚ እውን ኣሎ ንቀፃሊ እውን ክህልው እዩ፡፡
ኣብዚ ሐዚ እዋን መዓርነት ህዝብታት ኢ/ያ ተረጋጊፁ ህዝብታት ብፌደራልያዊ ስርዓት ዓርሶም ንዕርሶም ዝመሓደርሉ፣ሃገርና ብምዕባለ ርእሳ ምቅናዕ ኣብ ዝጀመረትሉ እዋን ኣንፃር ትምክሕታዊ ኣተሓሳስባ ዝግበር ቃልሲ ክንዲ እቲ ዝድለ እዩ ኢልካ ምውሳድ ኣፀጋሚ እዩ ፡፡ትምክሕተኝነት ወያናይ ዴሞክራስያዊ ሓይሊ ቃልስታቱ ከጠንቅር እንተሎ ርእሱ እንተድንን ወያናይ ዴሞክራስያዊ ሓይሊ ኣንፃር ትምክሕታዊ ኣተሓሳስባ ዝገብሮም ቃልስታት ውሱን ዝሕልሕል እንትብሉ ርእሱ ኣቅኒዑ ኣካኪ ዘራፍ እንትብል ምርኣይ ልሙድ እዩ፡፡ በዚ ድማ እዚ ናይ ትምክሕቲ ሓይሊ ኣንፃር እዝብታት መርዛም ፕሮፓጋንድኡ ምንፋሕ ጠጠው ኣየበለን ብፍላይ ኣብዚ ዓመት ከዓ ገንጊኑ ወፂኡ ኣሎ ፡፡ሐዚ እውን ኣብ ሃገርና ንዘሎ ልምዓትን ህንፀት ዴሞክራስን ንድሕሪት ንምምላስ ላሕ አንትብል ይረኣይ ፡፡ትምክሕተኝነት ኣብ መረፃ 2007 ገንጊኑ ወፂኡ ከም ኣመሉ ኣብ ህዝቢ ትግራይ ኣትኪሩ ንብረት ተጋሩ ከቃፅልን ክወርርን ተዓዚብና እዚ ሓይሊ ድሕሪ መረፃ 2007 ርእሱ ኣድኒኑ ፀኒሑ ሐዚ ዳግም ደጊስዎ ኣሎ፡፡ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይን ህወሓትን በትሩ ምውጥዋጥ ጀሚሩ፣ዘይተመለሰ ሕቶ መንነት ከምዘየለ እናተፈለጠ ወልቃይት ፀገዴ ናይ ጐንደር እዩ፣ህዝቢ ኣምሓራ ኣንፃር ህወሓትን ህዝቢ ትግራይን ክዘምትን ዓመፅ ከልዕልን ብሽም መንነት ኮሚቴ መስሪቱ ኣብ ልዕሊ ህዝቢታት ግፍዒ ምፍፃም ዝጀመረ፡፡ ህዝቢ ወልቃይት ፀገዴ ካብ ብጊሓቱ ትግራዋይ መንነት እናሃለዎ ገዛእቲ ደርቢታት ትምክሕቲ መሬት ወልቃይት ፀገዴ ቀሪሶም ናብ ጎንደር ሓዊሰምዎ ስለ ዝነበሩ እዚ ናይ ትምክሕቲ መግዛእቲ ዳግም ኣብ ህዝቢ ወልቃይት ፀገዴ ክፃዓን ነዚ ድማ ህዝቢ ጎንደር ኣብ ልዕሊ ሓው ህዝቢ ትግራይ ነፍጢ ከልዕል እንተለዓዕሉ ሓግዮም እዮም ፡፡
ኣብ ጎንደር ከቲሞም ብውንጭፍ ንወልቃይት ፀገዴ ንቃለስ ኣለና ክብሉን ዕላዊ ኣኼባ እንትገብሩን ርኢናን ሰሚዕናን፡፡ ህዝቢ ወልቃይት ፀገዴ ተግባራቶም ኣቀዲሙ ስለ ዝተረደአ እቶም ኮሚቴ ኢና በሃልቲ እዚኦም ናይ ትምክሕቲ ሓይሊ እዮም ፣ብቃልስና ዝሰዓርናዮም ተረፍ መረፍ ደርግን መሳፍንትን እዮም፣ ህዝቢ ወልቃይት ፀገዴ ዘይተመለሰ ናይ መንነት ሕቶ ስለ ዘለዎ ኣይኮነን፣ዕላመኦም ህዝብታት ትግራይን ኣምሓራን ንመግጫው ምዃኑ፣ብጉንበት 7 መሪሕነት ከምዝወሃቦም ኣብ ዝረኸቦ ኣኼባን ሰላማዊ ሰልፍን ንመንግስቲ ከፍልጥ ፀኒሑ እዩ፡፡ መንግስቲ ስጉምቲ እንተዘይወሲድሎም ሕማቅ ተግባር ካብ መፍፃም ነድሕሪት ከምዘይብሉ ብተዳጋጋሚ ተዛሪቡ እዩ፡፡ እዞም ሰባት ኣብ ጓጋ ብኣዴን ኮይኖም ከምድላዮም እንትኾኑ ምርኣይ ልሙድ ይኸውን ስለ ዘሎ ህወሓትን ብኣዴንን ኮይኖም ፍታሕ ከምፅኡ ተደጋጋሚ መሕፅንታ ከቅርብ ፀኒሑ እዩ፡፡ ክልል መንግስቲ ትግራይ እውን ምስ ክልል መንግስቲ ኣምሓራ ይኹን ምስ ፌደራል መንግስቲ እናተረዳደአ ከምዝመፀ ግልፂ እዩ፡፡
ከምቲ ህዝቢ ወልቃይት ዝበሎ እዞም ሰባት ከይዶም ከይዶም ዛይሕጋዊ ብረት መትእኽኻብ ፣ኣብ መንገዲ እናፀናሕኻ ናይ መነግስትን ግልን መካይን ምዝራፍ ፣ሰብ ምቅታል፣ሰብ ምጭዋይ፣ ካብኡ ሓሊፎም ድማ ምስ ኣብ ኤርትራ ዝርከቡ ብሽብርተኝነት ዝተኸሰሱ ካብ በዓል ጉንበት ሸውዓተ ዝኣምሰሉ ጥቡቅ ርክብ ፈጢሮም መደብ እናተቀበሉ ተግባራዊ ምግባር ጀሚሮም እዮም፡፡ ህዝቢ ውልቃይት ኣብ ኣኼባን ሰለማዊ ሰልፍን ዝተዛረቦ ሓንቲ እኳ ጠብ ከይበለት ኩለን ብተግባር ተራእየን እየን፡፡
ኣብ ጎንደር ዝነበረ ዓመፅ ከምቲ ህዝቢ ወልቃይት ዝበሎ እዞም ኮሚቴ ኢና በሃልቲ ዘይሕጋዊ ብርት ተዓጢቆም ናብ ሽፍትነተን ሽብርተዕነትን ኣትዮም ዝፈጠርዎ ዕገርግር እዩ፡፡ ብቀጥታ ናይ ትምከሕቲ ሓይሊ ልኡኻት ኮይኖም ኣብ ማእኸል ከተማ ብሕጋዊ መንገዲ ፀጥታ ንዘኽብር ኣካል ኢድና ኣይንህብን እንትብሉ ናብ ተራ ሽፍተነት ኣትዮም፡፡ ካብ ጉንበት 7 ዝተውሃቦም ትእዛዝ ከይፈሽል ተረባሪቦም፡፡ ሰላም ከተማ ጎንደር ተዘሪጉ ፣ፀጥታ መኽበርቲ ኣካላት ክቡር ሂወቶም ስኢኖም ፣ሰለማውያን ዜጋታት ዘፍረይዎ ሃፍትን ንብረትን ዓንዩ ተዘሪፉ፡፡ ከምቲ ካብ ተግባራት ትምክሕቲ ትፅቢት ዝግበር ኣብ ልዕሊ ኣብቲ ከባቢ ዝነብሩ ተጋሩ ማእኸል ተገይሩ ናይ ሽብር ተግባር ተፈፂሙ ትምክሕቲ ኣብ ከተማ ጎንደር ይንኣስ ይዕበ ድሌቱ ንምስኻዕ ፈቲኑ፡፡
እዚ ናይ ትምክሕቲ ኣተሓሳስባ ንምስዓር ኣብቲ ክልል ዝተሰርሐ ስራሕ ኣይነበረን እኳ ተዘይተብሃለ ኣንፃር ትምክሕቲ ዝግበር ዝነበረ ቃልሲ ዝሑል ምንባሩ አየጠራጠርን፡፡ብኣዴን/ኢህወዴግ ኣንፃር ትምክሕቲ ኣብ ዝገበሮ ቃልሲ ነዊሕ ርሕቀት እዃ እንተኸደ ትምክሕቲ ብግድኡ ኣረጋግፃ ኢህወዴግ ብሕልፊ ኣረጋግፃ በኣዴን እናረኣየ ልዕልንኡ ንምርግጋፅ ዝተፈላለዩ ምንቅስቃሳት እናገበረ መፂኡ እዩ፡፡እዚ ናይ ጎንደር ዕግርግር ከም ዓብዪ ትምህርቲ ተወሲዱ ኣንፃር ትምክሕቲ ዝግበር ኩለመደያዊ ቃልሲ ክጎሃሃር መሪሕነት ብኣዴን ወሳኒ እዩ ፡፡ኣብዚ ናይ ትምክሕቲ ምንቅስቃስ ለዕሊ ኣመራርሓ እቲ ክልል ህዝቢ ኣቀዲሙ ተረዲእዎ እዩ፡፣ኣብ ክልል ትግራይ ይኹን ካልኦት ክልላት ዘሎ ናይ ፀቢብነት ኣተሓሳስባ ዘይተስዓረ ኣብተን ክልላት ዘሎ ኣመራርሓ ብቁርፀኝነት ስለዘይተቃለሶ እዩ ኣብ ገሊኡ ድማ ኣመራርሓና በዚ ከምዚ ዝበለ ኣተሓሳስባ ስለ ዝስለብ እዩ ኣብ ክልል ኣምሓራ ዝረኣይ ናይ ትምክሕቲ ኣተሓሳስባ ቦግ ህልም ዝብል ዘሎ ብኣዴንን በቢ ደረጅኡ ዝርከብ ኣመራርሓ እቲ ክልልን ብዝግባእ ስለዘይተቃለስዎን ገሊኡ ኣመራርሓ ብኣዴን እውን በዚ ናይ ትምክሕቲ ኣተሓሳስባ ስለ ዝስለብ እዩ፡፡ካሊእ ምኽንያት የብሉን፡፡እቲ ኣመራርሓ ካብ ልቡ ምቅላስ እንትጅምር እዞም ኣተሓሳስባታት ርእሶም ከድንኑ እናራእና መፂእና ኢና ሐዚ እውን ከምቲ ኣብ ጎንደር ዘጋጠመ ትምክሕቲ ዝመርሖ ዕግርግር ዳግም ንከይለዓል ኣመራርሓ ብኣደን/ኢህኣዴግ ትምክሕተኝነት ንምቅላስ ቁርፀኛ ክኸውን ይግባእ፡፡
ኣብ መወዳእታ ህወሓትን ብኣዴንን ኣንፃር ትምክሕታዊ ኣተሓሳስብን ትምክሕተዓታትን ስጡም ርክብ ፈጢሮም ኣመራርሐኦም፣ኣባሎምን ሰላም ዳላዪ ህዝብን ኣተሓባቢሮም ቃልስታቶም ከሐይሉ ይግባእ፡፡ልዕልነት ወያናይ ዴሞክራሲ ክረጋገፅ ፣ኣብ ሞንጎ ህዝብታት ምትሕልልላይን ምክብባርን ክህሊ ብዘኽእል መንገዲ ምርብራብ የድሊ፡፡ ኣብቲ ክልል ዝተበተነ ብረት እቲ ሕጋዊ ይኹን ዘይሕጋዊ ናብ ስርዓት ክኣትው ይግባእ ፡፡ኣብዚ ተግባር ዝተሳተፉ ኣካላት ሕጋዊ ስጉምቲ ከውሰደሎም፣ልዕልና ሕጊ ክረጋገፅ ፡ጉድኣት ንዝበፅሖም ዜጋታት ግቡእ ድጋፍን ካሕሳን ክረኽቡ ኣለዎም፡፡እዚ ከምዝኸውን ድማ ኣብ ኢህወዴግ ምሉእ እምነት ክህልወና ኣለዎ፡፡
ህዳሰ ኢ/ያ ብሓድነት ህዝብታታ ክረጋገፅ እዩ !!!