Widgetized Section

Go to Admin » Appearance » Widgets » and move Gabfire Widget: Social into that MastheadOverlay zone

ትእምት ኣብ ምርግጋፅ ፅርየት ትምህርቲ ዕዙዝ ኣበርክቶ ትገብር ከም ዘላ ተሓቢሩ here we go

Untitled

ትካል እግሪ ምትካል ትግራይ (ትእምት) ኣብ ዞባ ምዕራብ ወረዳ ቃፍታ ሑመራ ብልዕሊ 30 ሚልዮን ብር ዝሃነፀቶ ካልኣይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ማይ ካድራ  ብዝለዓለ ድምቀት ኣመሪቓ፡፡

ዳይሬክተር ምግባረ ሰናይ ትእምት ኣይተ ሐሸ ለማ ኣብቲ ስነ ስርዓት ምረቓ  ኣብ ዘሕለፍዎ መልእኽቲ፣ ውፅኢት ቃልሲ ህዝቢ ትግራይ ዝኾነት ትእምት ኣብ ዝተፈላለዩ ዘፈራት ስራሕ ዕድል ብምፍጣር ተረባሕነት ሕብረተሰብ እናረጋገፀት ከም እትርከብ ገሊፆም።ካብዚ ሓሊፉ ኣብ ምርግጋፅ ፅርየት ትምህርቲ እውን ዕዙዝ ስራሕቲ ትሰርሕ ምህላዋ ኣረዲኦም።ብተወሳኺ ትእምት ኣብ ትግራይ ንዘሎ ሕፅረት ካልኣይ ብርኪ ኣብያተ ትምህርቲ ንምቕራፍ ምስ መንግስቲ ክልል ትግራይ ብምትሕብባር  ልዕሊ 200 ሚልዮን ብር ወፃኢ ገይራ ዛጊድ ሸውዓተ ካልኣይ ብርኪ ኣብያተ ትምህርቲ ክትሃንፅ ከም ዝኽኣለት ኣመልኪቶም።

ካልኣይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ማይ ካድራ 18 መምሃሪ ክፍልታት፣ ክልተ ቤተ ፈተነ፣ ክልተ ማእኸላት ቴክኖሎጂ ሓበሬታ፣ ሓደ ቤት ንባብ፣ ሓደ መእከቢ ኣዳራሽ ከምኡ እውን ናይ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ዓይነ ምድሪ ዝሓዘ ምዃኑ ንምፍላጥ ተኻኢሉ እዩ።

ምክትል ሓላፊ ቢሮ ትምህርቲ ክልል ትግራይ ኣይተ ባህታ ወልደሚካኤል፣ ኣብ ትግራይ ኣብ 1983 ዓ.ም 103 ቀዳማይ ብርኪ ከምኡ እውን 13 ካልኣይ ብርኪ ኣብያተ ትምህርቲ ምንባረን ምስ ኣዘዘኻኸሩ ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ትግራይ 2,125 ቀዳማይ ብርክን 188 ካልኣይ ብርክን ኣብያተ ትምህርቲ ምህላወን ኣብሪሆም።ኣብዘን ኣብያተ ትምህርቲ ኣትዮም ዝመሃሩ ልዕሊ ሓደ ነጥቢ ሰለስተ ሚልዮን ተምሃሮ ከም ዘለዉ ድማ እቶም ምክትል ቢሮ ሓላፊ ወሲኾም ገሊፆም።ተምሃሮ ብሉፅ ውፅኢት ከምፅኡ ወለዲ ዘድሊ ክትትልን ደገፍን ክገብሩ ፃውዒት ዘቕረቡ ኣይተ ባህታ፣ ብቐፃልነት ቢሮ ትምህርቲ ኣብ ጎድኒ ህዝቢ ኮይኑ ዝጎደሉ ስራሕቲ ንምምላእ ኣበርቲዑ ከም ዝነጥፍ ኣረጋጊፆም።

ዋና ኣመሓዳሪ ዞባ ምዕራብ ትግራይ ኣይተ ኢሳያስ ታደሰ ብወገኖም፣ ትእምት ሃኒፃ ንህዝቢ ዞባ ምዕራብ ዘረከበቶ ካልኣይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ማይ ካድራ ብሽም ህዝቢ እቲ ዞባ ምስጋንኦም ድሕሪ ምግላፅ ተረከብቲ ሕድሪ ዝኾኑ መናእሰይ ተጀሚሩ ዘሎ ቃልሲ ኣንፃር ድኽነት ንክዕወት ጠንኪሮም ክመሃሩን ክሰርሑን መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም፡፡

ነባሪ እቲ ከባቢ ኣይተ ኣብርሃ ታደለ፣ ቅድም ክብል ተምሃሮ እቲ ከባቢ ኣብ ቀረብኦም ካልኣይ ብርኪ ብዘይምንባሩ ትምህርቲ ካልኣይ ብርኪ ንምርካብ ይፅገሙ ከም ዝነበሩን እዙይ ቤት ትምህርቲ ኣብ ቀረብኦም ብምህናፁ ነቲ ዝነበረ ፀገም ብምሉእነት ከም ዝፈትሖን ኣብ ዝሃቡና ርእይቶ ሓቢሮም።ወ/ሮ ግደይ ሓጎስ ብወገነን፣ ዝተሰምዐን ታሕጓስ ድሕሪ ምግላፅ ደቀን በርቲዖም ንክመሃሩ ካብአን ዝድለ ክትትል ከም ዝገብራን ብቐፃልነት ከምዚ ኣብ ዝበሉ ህዝባዊ ስራሕቲ እንትሳለጡ ካብአን ዝድለ ክፍፅማ ቃል ኣትየን እየን።