Widgetized Section

Go to Admin » Appearance » Widgets » and move Gabfire Widget: Social into that MastheadOverlay zone

ካብ ቤት ፅሕፈት ማእኸላይ ኮሚቴ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ ዝተዋሃበ መግለፂ ሓዘን

rip

 ብዕለት 21/10/2008 ዓ/ም ምሸት ኣብ ፅባሕ መዓልቲ ሰማእታት ሰነ 15 ኣባል ማእኸላይ ኮሚቴ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ ዝኮነት ብፂት ሙሉ ካሕሳይ መስዋእቲ እንትንሰምዕ ዝተሰመዐና ሓዘን መሪር ንምቅባሉ ዝኸብድ ምዃኑ እንትንገልፅ ብዝለዓለ ሓዘን እዩ፡፡
ብፂት ሙሉ ካሕሳይ ካብ 1997 ዓ/ም ጀሚራ ኣባል ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ ብምኳን ኣብ ዝተፈላለየ ሓላፍነት ተመዲባ ውድብን መንግስትን ኣብ ዘዋፈርዋ መደባት ልምዓትን ሰናይ ምምሕዳርን ተመዲባ ኣጠቓላሊ ህዝቢ ትግራይ ብፍላይ ድማ ደቂ ኣንስትዮ ትግራይ ተሳትፎአንን ተጠቃማይነትንን ንምሕያል ዓብይ ፃዕሪ እናገበረት መፂኣ ብዝነበራ ተግባራዊ ምንቅስቓስ ኣብ መበል 12 ጉባኤ ውድብና ንማእኸላይ ኮሚቴ ተመሪፃ ኣብ ክልልና ናይ ጉዳይ ደቂ ኣንስትዮ ቢሮ ሓላፊት ኮይና ብቅንዕናን ተኣማንነትን ለይትን ቀትርን ህዝቢ እናገልገለት መፂኣ እያ፡፡ ወያናይ ዲሞክራስያዊ ውድብናን ልምዓታዊ መንግስትናን ዘነፀርዎም ናይ ልምዓትን ሰናይ ምምሕዳርን ኣጀንዳታት ተግባራዊ ንምግባርን ተጠቃምነትን ተሳታፍነትን ህዝብታት ብዝለዓለ ደረጃ ንምርግጋፅ ዝተከፈለ ክቡር መስዋእቲ ስለ ዝኾነ ቤት ፅሕፈት ማእኸላይ ኮሚቴ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ ብሓፋሻ ንኣባላት ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይን ህዝቢ ትግራይን ብፍላይ ድማ ንመላእ ቤተሰብ ብፂት ሙሉ ካሕሳይን ንኹሎም ግዳያት እዚ ሓደጋ ዝኾኑ ቤተሰብ ፅንዓት ይምነ፡፡
1. ኣባል ማእከላይ ኮሚቴ ህወሓትን ሓላፊት ቢሮ ጉዳይ ደቂ ኣንስትዮን ወይዘሮ ሙሉ ካሕሳይ
2. ኣብ ቢሮ ጉዳይ ደቂ ኣነስትዮ ሓላፊት ከይዲ ስራሕ ምምፃእ ኣተሓሳስባ ስርዓተ ፆታ ወይዘሮ ንግስቲ ሓለፎም
3.ላዕላዋይ ክኢላ እቲ ቢሮ ኣይተ ዮርዳኖስ ዱግማ
4.ላዕለዋይ ክኢላ እቲ ቢሮ ኣይተ ገብረኣምላክ ብርሃነ
5.መራሒ መኪና ኣይተ ዳኒኤል ግርማይ

ካሕሳ ስዋኣትና ምርግጋፅ ልምዓትን ሰናይ ምምሕዳርን እዩ!!!
ቤት ፅሕፈት ማእኸላይ ኮሚቴ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ

One Response to ካብ ቤት ፅሕፈት ማእኸላይ ኮሚቴ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ ዝተዋሃበ መግለፂ ሓዘን