Widgetized Section

Go to Admin » Appearance » Widgets » and move Gabfire Widget: Social into that MastheadOverlay zone

“ቴክኖሎጂ ሓምለዋይ ቀለብ እንስሳት ኣብ ዝሓፀረ እዋን ብዙሕ ምህርቲ ዝህብ እዩ፡፡”

01

ቴክኖሎጂ ሓምለዋይ ቀለብ እንስሳት ኣብ ዝሓፀረ እዋን ብዙሕ ምህርቲ ዝህብ እዩ፡፡

ድኽነትን ስእነት ስራሕን ከተማታት ንምንካይን መሪሕነት ዘፈር ልምዓት ኢንዳስትሪ ንምርግጋፅን ደቀቕትን ኣናእሽተይን ትካላት ንግዲ ወሳኒ ግደ ኣለወን። ብመሰረት እዚ፣ ብውዳበን ውልቀን ኮይኖም ኣብ ዝተፈላለዩ ዘፈራት ልምዓት ንዝተዋፈሩ መንቀሳቐስቲ ደኣንት ኩለ መዳይ ብቕዓቶም ንክጉልብት ቀፃሊ ደገፍን ክትትልን ይግበረሎም ኣሎ። ካብዞም ቀንዲ

ደገፋት ዝበሃሉ ልቓሕ ገንዘብ፣ መዕበይ ዓቕሚ ስልጠና፣ መስርሕን መሸጥን ቦታን ምትእስሳር ዕዳጋን ተጠቀስቲ እዮም።

በዚ ኣቢሎም ካብ ዝተሓተ ናብ ዝለዓለ ብርኪ ስግግር እናረጋገፁ ናብረኦም ካብ ምምሕያሽ ሓሊፎም ንኻልኦት ዕድል ስራሕ ዝፈጥሩ መንቀሳቐስቲ ደኣንት ይበራኸቱ ኣለዉ። ብተወሳኺ ከባብያዊ ፀጋታት ተጠቒሞም ሕብረተሰብ ኣብ ዝረብሑ ምህዞታት ዝተዋፈሩ ኣባላት ደኣንት እውን ኣይተስኣኑን። ኣብዚ ናይ ሎሚ ትሕዝቶና ተሞክሮ ምህዞ መንእሰይ በሃይሉ ኣብርሃ ዳህሲስና ኣለና።

መንእሰይ በሃይሉ ኣብርሃ፤ ተወሊዱ ዝዓበየሉ ኣብ ከተማ መቐለ እዩ። እዚ መንእሰይ ቅድሚ 10 ዓመት ካብ ዩኒቨርሲቲ ሃዋሳ ብዓይነት ትምህርቲ “ኣፕላይድ ኬምስትሪ” ብቀዳማይ ዲግሪ ተመሪቑ። ድሕሪ እዚ ኣብ ማእኸል መዳቐሊ ተኽልታት መቐለ /Tissue culture/ ሓላፊ ክፍሊ ምህርቲ ኮይኑ ንሸውዓተ ዓመት ኣገልጊሉ እዩ። መንእሰይ በሃይሉ ኣብቲ ማእኸል ዘኻዕበቶ ክእለትን ተሞክሮን ተጠቒሙ “ዋይ ቢ ማይክሮፕሮፓጌሽን ተኽልታት ሓላፍነቱ ዝተወሰነ ውልቀ ማሕበር” ዝብል ትካል ኣጣይሹ ብውልቀ ደኣንት ምንቅስቓስ ካብ ዝጅምር ክልተ ዓመት ኣቑፂሩ ኣሎ።

“ማይክሮፕሮፓጌሽን” እንታይ እዩ?

ማይክሮፕሮፓጌሽን፡- ኣብ ሓደ ማእኸል ዘመናዊ ቴክኖሎጂ ብምጥቃም ዝግበር ከይዲ ምድቓልን ምልምማድን ዓሌታት ተኽሊ፣ ዝራእትን እንስሳትን እዩ። እዚ ማእኸል ዘመናዊ ቴክኖሎጂ ዝሓሸ መጠን፣ ፅፈትን ትሕዝቶን ዘለዎ ምህርቲ ዘርክብ ከምዝኾነ ሰብ ሞያ እቲ ዘፈር ይገልፁ። መንእሰይ በሃይሉ ዘጣየሾ ትካል እውን እዚ ቴክኖሎጂ ተጠቒሙ ሓምለዋይ ቀለብ እንስሳትን ሰብን ንምፍራይ ዝዓለመ እዩ። እቲ ትካል ሓመድ ከይተጠቐመ ብሓገዝ ጠልን ውፅኢት ምህዞ ብዝኾነ መማዕበልቲ ዋህዮታት ኣብ ውሽጢ ገዛ /green house/ ዝትግበር ከም ዝኾነ መንእሰይ በሃይሉ ገሊፁ።

ከምዚ ዓይነት ቴክኖሎጂ ንፈለማ እዋን ኣብ ሃገራት ኣውስትራልያን ኒውዝላንድን ኣብ ግብሪ ዝውዓለ እንትኸውን ኣብ ከይዲ ናብ ሃገራት ኣውሮጳን ኣሜሪካን ተስፋሕፊሑ ፅቡቕ ውፅኢት እናተረኸበሉ እዩ። “ኢትዮጵያ ብሃፍቲ እንስሳት ካብ ኣፍሪካ ቅድሚት እትስራዕ እኳ እንተኾነት ብሰንኪ ልማዳዊ ኣሰራርሓ ተደላይ ውፅኢት ኣይተረኸበን። ምህዞ ሓመድ ዘይጥቀም ሓምለዋይ ቀለብ እንስሳት ድማ ነዚ ፀገም ብዘተኣማምን ብርኪ ዝፈትሕ እዩ” ይብል መንእሰይ በሃይሉ።

ረብሓታት ቴክኖሎጂ ሓምለዋይ ቀለብ እንስሳት

ውፅኢት ቴክኖሎጂ ዝኾነ ሓምለዋይ ቀለብ እንስሳት ብልምዲ ምስ ዝዳሎ ቀለብ እንስሳት እንትነፃፀር ዝለዓለ ረብሓ ከምዘለዎ እቲ በዓል ምህዞ መንእሰይ ይዛረብ። ቀዳማይ፣ ሓመድ ዘይጥቀም ሓምለዋይ ቀለብ እንስሳት ኣብ ንእሽተይ መሬት ዝለዓለ ምህርቲ ዘርክብ እዩ። ንኣብነት ብልምዲ ካብ ሓደ ሄክታር መሬት ዝርከብ ሽዱሽተ ኩንታል ቀለብ እንስሳት፣ እዚ ቴክኖሎጂ ብምጥቃም ካብ 50 ካሬ ሜትር ይርከብ እዩ። “እዚ እውን ብፍላይ ኣናእሽተይ መሬት ንዘለዎም ኣብዝሓ ሓረስቶት ሃገርና ፍቱን መፍትሒ እዩ” ይብል መንእሰይ በሃይሉ።

ካልኣይ፣ እዚ ቴክኖሎጂ ዝጥቀሞ መጠን ማይ ኣዝዩ ውሑድ ምዃኑ እዩ። ብልምዲ ሓደ ኪሎ ግራም ቀለብ እንስሳት ንምድላው ካብ 80 ክሳብ 90 ሊትሮ ማይ ስለ ዝጠልብ እዚ ቴክኖሎጂ ብምጥቃም ካብ ሓደ ክሳብ ክልተ ሊትሮ ማይ ጥራሕ የድሊ። ሳልሳይ፣ ከም በረድ፣ ብርቱዕ ፀሓይ፣ ዋሕዲ ዝናብ፣ ኣስሓይታን ባልዓትን ዝኣመሳሰሉ ተፈጥራዊ ስግኣታት ነፃ ምዃኑ እዩ።

ብተወሳኺ ድማ ቴክኖሎጂ ሓምለዋይ ቀለብ እንስሳት፣ ኣብ ዝሓፀረ እዋን ብዙሕ ምህርቲ ዝህብ እዩ። ንኣብነት ብልምዲ ካብ 30 ክሳብ 35 ሰንቲ ሜትሮ ቁመት ዘለዎ ቀለብ እንስሳት ንኽበፅሕ ካብ 80 ክሳብ 90 መዓልቲ ይጠልብ። እዚ ቴክኖሎጂ ብምጥቃም ግና ኣብ ውሽጢ ሓደ ሰሙን ምፍፃም ይከኣል እዩ። እዚ ውፅኢት ቴክኖሎጂ ዝቕለባ ኣላሕም ፀባ ብልምዲ ካብ ዝቐለባ 25 ምኢታዊ ወሰኽ ፀባ ይህባ። ብተመሳሳሊ ሓምለዋይ ቀለብ እንስሳት ብቐሊሉ ዝጠሓንን ልዑል መጠን ንጥረ ነገር /ፕሮቲን/ ዘለዎን እዩ ክብል እቲ መንእሰይ ይዛረብ። ብዘይካ እዚ እቲ ትካል ጨገረት ደራሁን ከም ቅንጢሻራ፣ ጉዕ በርበረ፣ ሰላጣ፣ ኮሚደረን ድንሽን ዝኣመሰሉ ኣሕምልትን መጠኖም፣ ፅፈቶምን ትሕዝቶኦምን ንምምሕያሽ ይሰርሕ ኣሎ።

ክትትልን ደገፍን ብዝምልከት

“እዚ ቴክኖሎጂ ንሃገርና ሓዱሽ ብምዃኑ ኣብ ፈለማ እዋናት ኣብ ተቐባልነቱ ጥርጣረታት ነይሮም እዮም።” ይብል መንእሰይ በሃይሉ። ኣብ ከይዲ ተግባራዊ ስራሕቲ መሰረት ዝገበረ ብዘርኣዮ ውፅኢቱ ተገምጊሙ መዋፃኣይ ቴክኖሎጂ ምዃኑ ተረጋጊፁ እዩ። ድሕሪ እዚ ካብ ኤጀንሲ ሳይንስን ቴክኖሎጅን ትግራይ መረጋገፂ ዋንነት ረኺቡ። ብተወሳኺ ኤጀንሲ ልምዓት ደኣንት ትግራይን ምምሕዳር ከተማ መቐለን ክልተ ሽሕ ካሬ ሜትሮ መስርሒ ቦታ ብዘይ ክፍሊት ሂቦምዎ እዮም።

እቲ በዓል ምህዞ መንእሰይ ምስ ኤጀንሲ ልምዓት ደኣንት ትግራይ ብምትሕብባር ካብ ኩለን ወረዳታት ትግራይ ንዝተወከሉ ሞዴላት ሓረስቶት ኣብ እንታይነትን ረብሓን ሓምለዋይ ቀለብ እንስሳት ዘተኮረ ስልጠና ከምዝሃበ ይዛረብ። ብተግባርን ክልሰ ሓሳብን ዝተደገፈ ስልጠና ንምሃብ ድማ ልዕሊ 137 ሽሕ ብር ተኸፊልዎ እዩ። ብተወሳኺ ድማ ብድርቂ ኣብ ዝተጠቕዓ ወረዳታት ክልተ ኣውላዕሎን ኣፅቢ ወንበርታን 100 ኩንታል ሓምለዋይ ቀለብ እንስሳት ዘቕረበ ኮይኑ ቢሮ ልምዓት ሕርሻን ገፀርን ትግራይ ልዕሊ 90 ሽሕ ብር ከፊሉዎ እዩ። ብዘይካ እዚ መንእሰይ በሃይሉ ምስ ትካል ተራድኦ ጀርመንን /ጂ ኣይ ዜድ/ ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ኣምሓራን ብዝኣተዎ ውዕሊ መሰረት፣ ንሓረስቶት ኣምሓራ ስልጠና ሓምለዋይ ቀለብ እንስሳት ይህብ ኣሎ። “ተመሳሳሊ ስልጠና ኣብ ክልል ዓፋር ንምሃብ እውን ምስ ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ዓፋር ይዘራረብ ኣለኹ” ይብል።

ኩነታት ምትብባዕን ቀፃሊ ራእይን

መንእሰይ በሃይሉ ዛጊድ ብዝገበሮ ምንቅስቓስ ካብ ኤጀንሲ ልምዓት ደኣንት ክልል ትግራይን ኣብ ድሬዳዋ ኣብ ዝተሳለጠ ሃገራዊ መዓልቲ ከተማታትን ኣፍልጦን ፅዋዕ መዳልያን ረኺቡ። ብተወሳኺ ብጉዳያት ወፃእ አሜሪካ እናተደገፉ ውፅኢታት ሳይንስን ቴክኖሎጅን ዝኾኑ ዓለማዊ ምህዞታት ዘወዳድር “ጊስት” ዝተብሃለ ትካል ኣብ 2007 ዓ/ም መድረኽ ውድድር ኣካይዱ ነይሩ። ኣብቲ ኣብ ሃገረ ሞረኮ ዝተኻየደ መድረኽ ውድድር ሓሙሽተ ሽሕ ውፅኢት ምህዞታት ካብ መላእ ዓለም ቀሪቦም እዮም። ምህዞ ሓምለዋይ ቀለብ እንስሳት መንእሰይ በሃይሉ ድማ ኣብ ብሉፃት 15 ምህዞታት ብምክታቱ ተሸላሚ ገንዘብን ምስክር ወረቐት ኮይኑ እዩ።

ትካል መንእሰይ በሃይሉ፣ ኣብዚ ሐዚ እዋን ንሸውዓተ ሰባት ብቀዋምን ንክልተ ድማ ብግዝያውን ዕድል ስራሕ ፈጢሩ እዩ። እቲ ትካል ብቐፃልነት ናብ ኩለን ክልላት ሃገርና ብምትእትታው ስራሕቲ ሓምለዋይ ቀለብ እንስሳትን ሰብን ብመጠን፣ ፅፈትን ትሕዝቶን ንምዕባይ ይሰርሕ ከምዘሎ ይዛረብ። ካብ መንግስቲ ዝግበረሉ ዘሎ ድጋፍ ፅቡቕ እኳ እንተኾነ “ኣብ ቀረብ ልቓሕ ገንዘብን ምትእስሳር ዕዳጋን ክንድቲ ዝድለ ኣይኮነን” ይብል መንእሰይ በሃይሉ። መናእሰይ ዝተፈጠረ ምችው ባይታ ተጠቒሞም መሃዝቲ ስራሕ ኮይኖም ህዳሰ ሃገሮም ጋህዲ ክገብሩ ከምዘለዎም እውን መልእኽቱ የመሓላልፍ።

ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ልምዓት ደኣንት ክፍለ ከተማ ሰሜን መቐለ ኣይተ ተክለሃይማኖት ገብረእግዚኣብሄር፣ ኣብ ዝሓለፈ ትሸዓተ ወርሒ ብብርኪ ክፍለ ከተማ ዝርከቡ ነባራትን ሓደሽትን መንቀሳቐስቲ ደኣንት ብኣወዳድባ፣ ዓቕሚ ሰብ፣ ንዋትን ገንዘብን ንምጉልባት ዘኽእል ምንቅስቓስ ከምዝተገበረ ይዛረቡ። ኣብቲ ክፍለ ከተማ ኣብ ዘፈራት ልምዓት ኮንስትራክሽን፣ ከተማ ሕርሻ፣ ማኑፋክቸሪንግ፣ ግልጋሎትን ንግዲ ዝተዋፈሩ 3,472 መንቀሳቐስቲ ደኣንት ይርከቡ። ብተመሳሳሊ ኣብዚ ትሸዓንተ ወርሒ ኣብ ሓሙሽተ ዘፈራት ልምዓት ዝተዋፈሩ 900 ሓደሽቲ ደኣንት ክጣየሹ ክኢሎም እዮም።

ብመንፅር ስልጠና እንተረአ፣ ኣብዚ ዓመት ክፍተት መሰረት ዝገበረ ስልጠና መዕበይ ዓቕሚ ን445 መንቀሳቐስቲ ደኣንት ንምሃብ ተተሊሙ ን638 ተዋሂቡ እዩ። ብዘይካ እዚ 779 መንቀሳቐስቲ ደኣንት ዕደጋ ንምትእስሳር ተተሊሙ 723 ዕደጋ ክተኣሳሰሩ ተገይሩ እዩ። ብተወሳኺ 316 ደኣንት ቀዋምን ግዝያውን መስርሕን መሸጥን ቦታ ክወሃቦም ኪኢሉ እዩ።

ብካሊእ ወገን፣ ኣብዚ ዓመት 1,627 መንቀሳቐስቲ ደኣንት ዝተፈላለዩ ብርኪታት ስግግር ንኽገብሩ ዝተተለመ እንትኸውን ኣብ ዝሓለፈ ትሸዓተ ወርሒ ጥራሕ እቶም 1,037 ተሰጋጊሮም እዮም። ልቓሕ ገንዘብ ብዝምልከት ድማ ልዕሊ ብር 12 ሚልዮንን ትሸዓንተ ምኢቲ ሽሕን ልቓሕ ገንዘብ ንምሃብ ትልሚ ተታሒዙ ነይሩ። ካብዚ እቲ ብር ሽዱሽተ ሚልዮንን ሸሞንተ ምኢቲ ሽሕን ክወሃብ ክኢሉ እዩ። ብተወሳኺ 593 መንቀሳቐስቲ ደኣንት 12 ሚልዮንን ሓሙሽተ ምኢቲ ሽሕን ብር ከምዝዓቖሩ እቶም ሓላፊ ይዛረቡ። “ብሓፈሻ ኣብዚ ዓመት ንምትግባር ዝተትሓዙ ትልምታት ብዝሐሸ ይፍፀሙ ኣለዉ። ይኹን እንበር ምስ ምንኣስ ዓቕምን ዘይተወፋይነትን ተኣሳሲሮም ዝተፈጠሩ ፀገማት ትልሚ ስራሕና ብሙሉእነት ከይነዐውት ዕንቅፋት ኮይኖም እዮም” ይብሉ ኣይተ ተክለሃይማኖት።

ኣብ ፍሉይ ምህዞ ንዝተዋፈሩ መንቀሳቐስቲ ደኣንት ዝግበረሎም ደገፍን ክትትልን እንታይ ከምዝመስል እንትገልፁ “ፀገማት ሕብረተሰብ ብቐፃልነት ኣብ ዝፈትሑ ምህዞታት ዝተዋፈሩ ኣባላት ደኣንት ዓቕሚ ዝፈቐዶ ደገፍን ክትትልን ይግበር እዩ። ንኣብነት ኣብ ምህርቲ ሓምለዋይ ቀለብ እንሰሳት ዝተዋፈረ መንእሰይ በሃይሉ መስርሒ ቦታን ብውሱን እውን እንተኾነ ምትእስሳር ዕዳጋን ተገይርሉ እዩ።  ኣተኣታትይዎ ዘሎ ቴክኖሎጂ ብስፍሓት ቦታ ተጠቃሚ ብምዃኑ ድማ ምስ ተወሳኺ መስርሒ ቦታ፣ ልቓሕ ገንዘብን ምትእስሳር ዕዳጋን ተኣሳሲሮም ዘለዉ ፀገማት ብቐፃልነት ክንፈትሐሉ ክንሰርሕ ኢና” ይብሉ።

ሃገርና ብቐፃልነት ንክተረጋግፆ እትሰርሐሉ ዘላ ልምዓት ኢንዳስትሪ መሰረቱ ደኣንት እዩ። ነዚ ንምዕዋት፣ ብውልቀ ይኹን ብውዳበ ኣቢሎም ኣብ ምህዞታት ዝነጥፉ ዘለዉ መናእሰይ እውን ቀፃሊ ደገፍን ክትትልን ዝጠልቡ እዮም። ነዚ መሰረት ዝገበረ ድልውነት ኣካላት ኣመራርሓን ሰብ ሞያታትን ድማ ክህሉ ይግባእ ።