Widgetized Section

Go to Admin » Appearance » Widgets » and move Gabfire Widget: Social into that MastheadOverlay zone

ቅዋም ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ዘየቋርፅ ዋሕዚ ምህዳስን ምትግባርን ቃል ሕድሪ ሰማእታት ንምንጋስ ልምዓትን ሰናይ ምምሕዳርን

1536607_511985232288721_2519595956500578471_n

ህዝቢ ትግራይ ብመሪሕ ውድቡ ህወሓት ልዕሊ 60ሽሕ መስዋእቱ ደቁን ልዕሊ 100ሽሕ አካል ጉድአትን ገቢሩ እዩ ነዚ ሕዚ ዘለናሉ ናይ ሰላም ልምዓትን ዴሞክራስን መድረኽ በፂሑ ዘሎ፡፡ አብዚ መድረኽ ንሰማእታትና እናዘከርና አብ ኩሎም መድረኻት ስድራ ሰማእታትና ብዘለና ዓቕሚ እናሓገዝናን እናተባባዕናን ህዝብና ዝወለዖ ናይ ልምዓትን ሰናይ ምምሕዳርን ምንቅስቓስ ናብ ዝልዓለ ብርኪ ክነብፅሖ አለና፡፡
ን200 ዝኾኑ ስድራ ስውአት ወለድን ቤተሰብን ዝተፈላለየ መዘከርታ ሽልማት

ርእሰ ምምሕዳር ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ዓፋርን ናይ ካቢኔ አባላትን መበል 28 መዓልቲ ሰማእታት አብ አዳራሽ ሰማእታት ተረኺቦም
ስለዝኾነ ድማ ብመሰረት ውሳኔታት ጉባኤ ውድብና ንመሪሕነትን ፈፃምን ዝልዓለ ትኹረት ተዋሂብዎ ብኹሉ ዓይነት መንገድታት ዓርሰ ምፅራይ ስራሕቲ ዝተኻየደሉ ቀንዲ ዋኒን ህዝቢ ትግራይን መሪሕ ውድቡን ከም ቀደሞም ነቶም ድኽመታቶም እናነቐሱ ብምቅላስ ዓወት አብ ልዕሊ ዓወት ናይ ምምዝጋብ ዓቕሞም አጠናኺሮም ምቕፃል ምኻኑ እናረጋገፁ ይርከቡ፡፡ ህዝብና ከምዚ ዓይነት ድልየቱ አብ ሀገራውን ክልላውን መረፃ 5ይ ዙር ይኹን ድሕሪኡ አብ እተገበሩ ምንቅስቓሳት ብዝግባእ አረጋጊፅዎ እዩ፡፡ ብዝኾነ መዓቀኒ ንዘጋጥም ዝኾነ ይኹን ፀገምን ዕንቅፋትን ስዒርካ ንምውፃእ ልምዓታዊን ዴሞክራሲን መስመር ውድብናን መንግስትናን ክሳብ ክንደይ ፍቱን መንገዲ ልምዓትን ሰላምን ምኻኑ እናረጋገፀ እዩ ፡፡
ንመበል 28 ዓመት ንዝክሮም ዘለና ሰማእታትና አብ ዘየቋርፅ ዋሕዚ ምህዳስን ምትግባርን ሕድሮም ንምንጋስ አብ ልምዓትን ሰናይ ምምሕዳርን ከም ቀደምና ከምዘለና ዘረጋግፅ ናይ ህዝብና ምንቅስቓስ ብምውላዕ አብ ክሊ ፈላማይ ዓመት ካልአይ ዙር ትልሚ ዕብየትን ስግግርን ኮይንና ነኽብሮ ንርከብ፡፡ስለዚ ድማ ሰማእታትና ሕዝውን ቅሱናት እዮም፡፡ እዚ ነቲ ወያናይ መስመር ዝትሓንገጠ ውድብን ልምዓታዊን ዴሞክራሲያውን መንግስትናን ዓወት አብ ልዕሊ ዓወት ዘጨብጥ እኳ እንተኾነ ሕዝውን ከቢድ ሕድሪውን ከምዘለና ዘረድእ ጉዳይ እዩ፡፡ በቢደረጅኡ ዝርከብ መሪሕነትን ፈፃሚ ሓይሊን ነቲ ዝተወለዓ ናይ ሓፋሽ ምንቅስቓስ እናጠናኸረ ንባዕሉ ብዝግባእ እናፅረየ ሰፋሕቲ ዕማማት ልምዓት ብምትግባር ይቕፅል አሎ፡፡ ህዝቢ ትግራይ ከም ሓደ አካል ንጉድለታትን ክፍተታትን ብናይ ሓባር ቓልሲ እናፈትሓ ብምቕፃሉ ድልየቱ ብሩህ ተስፋ ስለዝሓዘ ነቶም ጅማሮታትና እናተባብዓ ንመሰረታዊ ለውጢ ሓቢሩና ይንቀሳቐስ አሎ፡፡
ቕነ ዝኽሪ ሰማእታትና አብ ገጠር ዝተማልአ ፓኬጅ ሕርሻ ብምትግባር አብ ክላስተር ወይድማ ዓንዲ ፍርያት ከባቢታት ዝተትሓዘ ሸቶ ንምዕዋት ፉሉይ ምድላው ገይርና ናብ ተግባር አብዝአተናሉ እዋን ዝኽበር ዘሎ እዩ፡፡ እዚ ድማ አብ ልዕሊ 50 ዓመት ብኽብደቱ ገጢሙና ዘይፈልጥ ድርቂ ብመሰረቱ ብናይ ህዝብና፣ መንግስትናን አብ ዝሓለፉ 25 ዓመታት ብዘጥረናዮ ዓቕሚ እናመከትና ኢና ነዚ መሰረታዊ ለውጢ ዘምፅእ ምንቅስቓስ ጀሚርና ዘለና፡፡
አብ ከተማታት ድማ ንምንጋስ ልምዓትን ሰናይ ምምሕዳርን ዘካየድናዮ ምንቅስቓስ በቢእዋኑ እናተጠናኸረ ይኸይድ ከምዘሎ መርአያ ካብ ዝኾኑ ትካላት ድአንት ነቶም ብሉፃት ንሽልመሉ መድረኽ ተኻይዱ፡፡ አብ ከተማ ድኽነት ነበረያ ንምግባር ንመሰረታዊ ፍትሓዊ ናይ ሃፍቲ ክፍፍል ወሳኒ ግደ ዘለዎም ትካላት ደቀቕትን አናእሽተይን ዝተመዝገበ ዓወት ነስተማቕረሉ እዚ መድረኽ ቕነ ዝኽሪ ሰማእታትና ምዕሩግ ክኸውን ገይርዎ አሎ፡፡ ካብዘን ትካላት ብመሰረቱ ናይ ዓዲ ውሽጢ ማኒፋክቸሪንግ ኢንዳስትሪ ክዕንብባውን ዘተባብዕ መድረኽ አብ ዕለት ሰማእታት ምክያዱ ንካልአይ ዙር ትልሚ ዕብየትን ስግግርን ዓብይ ሕድሪ ንስከም ከምዘለና ንግንዘቦ ጉዳይ እዩ፡፡
ድሕሪ ዝኽሪ ሰማእታት ሽልማት ትካላት ደቀቕትን አናእሽተይን እንትካየድ
ድኽነት ንምጥፋእ አብ ዝግበር ምንቅስቓስ ዝበዝሕ ብዓል ሙያና ኣብ ግንባር ተሰሊፉ ክረባረብ ፀኒሑ። ኣብቶም ድኽነት ተኮር ዘፈራት ተዋፊሩ ንህዝቡ ናይ ገጠር ጥሙር ጥዕና ፓኬጅ፣ ወኪል ልምዓት ሕርሻን ካብ ድሕረትን ድንቁርናን ዘናግፍ መምህር ዋርድያ ሰላምን ብምዃን ሰራሕተኛ መንግስቲ ንዝገብሮ ዘሎ ፉሉይ አስተዋፅኦውን ንቕነ ሕድሪ ሰማእታት ምኽንያት ብምግባር ንዝህድሶ ቃሉ ስንቂ ዝኾኖ መድረኽ ህንፀትን ሽልማትን ክካየድ እዩ፡፡
ከምቲ ዝፍለጥ አብ ዝሓለፉ ስርዓታት ከም ቁፃር መንግስቲ ጥራይ ክሓስብ ተገይሩ ዝፀንሓ ቢሮክራሲ ሀገርና ንህዝቢ ዝረብሕ ተግባር ከይፍፅም ንባዕሉውን አብ ቀይዲ ፀረ ዴሞክራሲያዊ ስርዓት ተቖሪኑ ብአምሳያ አድላዊን አምባገነናዊ ስርዓት ክሰርሕ ምፅንሑ ዝፍለጥ እዩ፡፡ እዚ ቢሮክራሲ ይፍለጠሎም ዝነበረ አድላዊ፣ ዘይስሉጥን አብ ውሱን ከባብታት ዝተሓፀረ ምንቅስቓሱ ካብ ሕሉፍ ስርዓት ዝወረሶም ፀረ ዴሞክራሲያውን ድሑራት አተሓሳስባታትን እዩ ዝገልፆ ነይሩ፡፡
ነዚ ባህርያት ንምቕያርን እቲ ሲቪል ሰርቫንት ንባዕሉውን ዝሰርሓሉ ምቹው ናይ ስራሕ ኩነታት ንምፍጣር አብዝሓለፉ ዓመታት ሰፋሕቲ ፃዕርታት እናተኻየዱ ፀኒሖም እዮም፡፡ ብፍላይ ድማ ድሕሪ ትሃድሶ ፀርዩ ብዝወፅአ ንፁር መስመር ልምዓታዊ ዴሞክራሲ ንዓቕሚ ህንፀት ሲቪል ሰርቫንት ቀዳምነት ብምሃብ ብስርሑ እናተዓቀነ ክተባባዕን ንዘርእዮም ጉድለታትን ክፍተታትን ድማ ከስተኻኽል ብምግባር ሲቪል ሰርቫንትና ናይማን መገልገሊ ህዝቢ ኾይኑ ክወፅእ ዘኽእል ትካላዊ አሰራርሓታት ክትአታተውውን ተፈቲኑ እዩ፡፡
አጠቓላሊ ፖለቲካል ኢኮኖሚ ልምዓታዊ ንክኸውን ንህንፀት ልምዓታዊ ሰራዊት ናይ ኩሎም መደባትና ቁልፊ ናይ ኣፈፃፅማ ኣንፈት ብምኽታል ንምፍፃም ብዝገበረናዮ ፃዕሪ ድማ ኣብ ገጠር አንፃራዊ ልዕልነት ልምዓታዊ ፖለቲካል ኢኮኖሚ ክረጋገፅ ዝኽአለ ሲቪል ሰርቫንትና እጃሙ ብምውፋዩ እዩ፡፡ መብዛሕትኡ ሲቪል ሰርቫንት ናይ ልምዓታዊ መንግስትና መግለፂ ክኸውን ብዘለዎ ድልውነት ብመሰረቱ ድኽነት ንምጥፋእ አብ ዝካየድ ዘሎ ምንቅስቓስ ኣብ ገጠራት ትግራይ ነቂጡ ክረባረብ ፀኒሑ። ይኹን እምበር አብ ከምዚ ዝበለ ምችው ናይ ልምዓታውነት ሃዋህው ክዋሳእ ዝፀንሓ ሲቪል ሰርቫንትና እውን እንተኾነ ቀለልቲ ዘይብሃሉ ጉድለታት ሰናይ ምምሕዳር ነይሮምዎ እዮም፡፡
ኣብ ከተማውን እንተኾነ ሲቪል ሰርቫንትና ቅልጡፍ ዕብየት ክመፅእ አበርክትኡ ዝገበረ እኳ እንተኾነ ምስቲ ክራይ አካቢ ፖለቲካል ኢኮኖሚ ተነፃፃሪ ልዕልነት ዘለዎ ምኻኑ ትአሳሲሩ ህዝብና ዘይዓገበሎም ብዙሓት ጉድለታት ተረኺበምዎ እዮም፡፡ ካብዚኦም ውሽጢ እቲ ዓዚዙ ዝግለፅ ሲቪል ሰርቫንትና አብ መገልገላይነት ዘለውዎ ሽግራት እዩ። እዚ መሊእና ብዘይምቕያርናን ብሰንኪ ግልጋሎት ኣወሃህባ ዝትርአየ ክፍተት አብ ዘተአታተናዮም ናይ ሪፎርም ፓኬጃት ኣፈፃፅማ ህዝብና ክነሓጉሶ ከምዘይኽአልና አብዚ ዓመት መፈለምታ ምስ ህዝብና ኾይንና ዝገምገምናዮ ጉዳይ እዩ፡፡
በዚ ምኽንያት ድማ ምስቲ ሰለጤን ልምዓትና ዝመጣጠን ናይ ሰናይ ምምሕዳር ውፅኢት ክምዝገብ አብ ገጠር ይኹን አብ ከተማ ናይ ህዝቢ ምንቅስቓስ ብምውላዕ ናብ ተግባራዊ ምንቅስቓስ አቲና ኢና፡፡ አብዚ ምንቅስቓስ እቲ ሲቪል ሰርቫንትና ምስ በቢደረጅኡ ዘሎ መሪሕነትን ህዝብን ብዘካየዶ ዓርሱ ናይ ምፅራይ ምንቅስቓስ ገዘፍቲ ጉድለታቱ ብእርይ ቁፅር ክወፅኡ ገይሩን ይገብርን ስለዘሎ ክምስገን ዝግብኦ እዩ፡፡ ናይዚም ጉድለታትን ሽግራትን ትርጉምን ሳዕቤኖምን ብመንፅር አብ መስመር ልምዓታዊ ዴሞራሲ ዘብፅሕዎ ሓደጋ ብዝርዝርን ብዕምቆትን ክርድኦም ሰፊሕ ፃዒሪ ተኻይዱ እዩ፡፡
እዚ ኩነታት ሲቪል ሰርቫንትና በቢዘፈሩ ብዝሓዞ ንፁር ልኢኽን ብመልክዕ ሰራዊት ተወዲቡ ክንቀሳቐስ ምስ ዝግበር ዝነበረ ጅማሮታት ትአሳሲሩ ነቶም ዝልዓለ ጥፍአት ዘለዎም ከም ክብደት ጉድለቶም ብሕጊ ክርአዩን አብ ዝምጥኖም ቦታ ክሰርሑን ውሳነታቱ ብምሕላፍ ዘርአዮ ቑርፀኝነት መግለፂ ገይርካ ክውሰድ ዝክአል እዩ፡፡ እዚ ምችው ኩነታት ሲቪል ሰርቫንትና ዝተዋፈረሎም ኩሎም ናይ ልምዓትን ሰናይ ምምሕዳርን ግንባራትን ዓውድታትን አብ ዓቕሙ ዘለዉ ክፍተታትውን ተለልዩም በቢደረጅኡ ነዚ ክፍተት ዝዓብስ ናይ ህንፀት ዓቕሚ ስራሕቲ ክካየድውን አኽኢሉ፡፡
ስለዚ ድማ ብብርኪ ክልል አብ ዝተዳለወ መድረኽ ካብ ሕሉፍ አፈፃፅማ ትልሚ ዕብየትን ስግግርን ትምህርቲ ዝውሰደሎም ጉዳያት፣ መደባት ልምዓትን ሰናይ ምምሕዳርን ቅልጡፍ፣ ውፅኢታውን፣ ፅሬቱ ዝሓለወን ክኸውን ዝተቐረፁ ኩሎም ናይ ሪፎርም ፓኬጃትን ንቐፃሊ ዕማሙ ብዘለዎም ትርጉም ሲቪል ሰርቫንትና ክርድኦም ክግበር እዩ፡፡ እዚ መድረኽ ሲቪል ሰርቫንትና ምስ ህዝቡ ኾይኑ ንዝወልፆ ናይ ልምዓትን ሰናይ ምምሕዳርን ምንቅስቓስ ዋዖኡ ሓልዩ ክቕፅል፤ መለለይ ባህርያት ልምዓታውን ዴሞክራሲያውን መንግስቲ ብዝተማልአ መንገዲ ክውንኖምን ብምግባር አብ ፍልጠት ዝተመስረተ ዝልዓለ ናይ ስራሕ መንፈስ ንካልአይ ዙር ትልሚ ዕብየትን ስግግርን ሰኒቑ ክወፅእ እዩ ብፉሉይ ትኹረት እዚ መድረኽ ተዳልዩ ዘሎ፡፡
ካብቲ አብ ሲቪል ሰርቪስ ዝተዋፈረ አስታት 95ሽሕ ዝኸውን ሲቪል ሰርቫንትና ልዕሊ 75 ሚኢታዊ እቲ መንእሰይ ወለዶ እዩ፡፡ እዚ ወለዶ ድማ ብመስመር ልምዓታዊ ዴሞክራሲ ዝትሓንፀፀ ናይ ትምህርቲ ፖሊሲን ናይ ፅሬት ፓኬጅን ውፅኢት ብምኻኑ ነቶም መሓውራዊ ለውጢ ከምፅኡ ዝትሓንፀፁ ናይ ሪፎርም ፓኬጃት ንምትግባር እቲ ዝልዓለ ጉዳይ አብ ድልውቱን ናይ አተሓሳስባ ለውጡን ዝምስረት እዩ ክኸውን፡፡
ነዚ ንምግባር ድማ ዝዕቅቦ ነገር አይህሉን፡፡ ምችው ናይ ስራሕ ሃዋህው ንምፍጣር ልምዓታውን ዴሞክራሲያውን መንግስትና አብ ጎኒ እቲ ሲቪል ሰርቫንት እዩ፡፡ ድሕሪ ንአስታት አርባዕተ መዓልቲ ዝፀንሕ ናይ ህንፀት መድረኽ ዝካየድ ናይ አፍልጦን ሽልማትን መድረኽውን ናይዚ ሓደ መግለፂ እዩ፡፡ ሲቪል ሰርቫንትና ‘ምግልጋል ዕፅፊ ክብሪ እዩ’ ኢሉ ብዝልዓለ መንፈስ ክወፍር ከሎ ልምዓታውን ዴሞክራሲያውን መግስትና ካብ ማንም እዋን ንዓቐብ ብቐረባ ደገፉን ክትትሉን ክገብር እዩ፡፡ ነተን ዝምዝገባ ብሉፃት ተመክሮታት ብዓል ዋና እናፈለ ከተባብዕ እዩ፡፡ ንዝርአዩ ክፍተታት ዓቕሚ ክምልእን መሰረታዊ ጉድለት ከይተርአየ ንጌጋት ሃናፂ ብዝኾነ አገባብ ስለዝእርም ብዘይሰጋእ መጋእን ስክፍታን ንህዝብኹም ካብ ማንም እዋን ንዓቐብ ጫምኡ ኾይንኩም አገልግልዎ፡፡
እዚ አብ ከተማን ገጠርን ክሳብ ቑሽታት ወሪዱ ዘገልግል ዘሎ ልዕሊ 95 ሽሕ ሰራሕተኛ ‘ምግልጋል ዕፅፊ ክብሪ እዩ’ ብዝብል መሪሕ ቃል ዘካይዶ ዘሎ ክልላዊ መጠቓለሊ መድረኽ ብዘየቋርፅ ዋሕዚ ምህዳስን ምትግባርን ቃል ሕድሪ ሰማእታት ንምንጋስ ልምዓትን ሰናይ ምምሕዳርን ንምርግጋፅ ዝልዓለ ተበግሶ ክህልዎ ዝገብር እዩ፡፡
ስለዚ ድማ ሰማእታትና ንመበል 28 ዓመት አንትንዝክር ስሉጥ፣ ፍትሓውን ኩለመዳያውን ልምዓትና አጠናኺርና ብምቕፃል አብ ሰናይ ምምሕዳር ዝተጀመሩ ዘተባብዑ ትካላዊ ዓቕምታት ብምውዳድ ንምንቅስቓስ ዳግም ቃልና ሓዲስና ከምትልሙድ ኢድ ንኢድ ተታሐዘሒና ቃልስና ናብ ዝለዓለ ብርኪ ከምነብፅሖ ብምትእምማን እዩ፡፡