Widgetized Section

Go to Admin » Appearance » Widgets » and move Gabfire Widget: Social into that MastheadOverlay zone

’ እንኳዕ ‘ ኳ ተጋሩ ኾንና ዘበለ ዑደት እዩ’’ , ዑደት 20 ጉንበት

20 ጉንበት
Zharina blog Ginbot 20, 2016.
’ እንኳዕ ‘ ኳ ተጋሩ ኾንና ዘበለ ዑደት እዩ’’
ካብ ዞባ ምዕራብ ትግራይ ወረዳታት ፣ወልቃይት ፣ ፀገዴ፣ቃፍታ ሑመራን ሰቲት ሑመራን ዝተወከሉ ልዕሊ 400 ዝኾኑ ወከልቲ ህዝቢ ዞባ ምዕራብ ትግራይ ዑዶቶም ዛዚሞም ብብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትገራይ ኣብ ዝተዳለወሎም እንግዶት ድራር እንኳዕ እኳ ተጋሩ ኾንና ዘበለ ዑደት እዩ ነይሩ ክብሉ እዮም ገሊፆምዎ ነቲ ኣብ ዞባታት ምዕራብ ፣ ሰሜን ምዕራብ፣ ማእከል፣ ምብራቕ፣ ደቡብ ምብራቕን መቐለን ዘገበርዎ ዑደትን ዝርኣይዎ ስራሕቲ ልምዓትን ፡፡
መንግስቲ ካብ ስትራቴጂ ሓምለዋይ ቁጠባ መበገሲ ጌሩ ከባቢታት ክሓውዩን ክልወጡን፤ ናይዚ ውፅኢት ድማ መስኖ ክጋፋሕን መፍረያይነት ክዓብን፤ ሓረስቶት ትግራይ ዘበናዊ ቴክኖሎጂ ተጠቒሞም መፍረያይነቶም ክውስኽን ንዕዳጋ ዓለም ዝውዕል ፍርያት ኣፍርዮም ንነብሶምን ንሃገርን ልዑል ሸርፊ ወፃኢ ንምርካብ ክኽእሉ ዝሓንፀፆ ስትራቴጂ ብተግባር ንምርኣይ ምብቃዕና ሕጉሳት ኢና ክብሉ እዮም ብ ወከልቶም ኣቢሎም ኣብቲ መድረኽ ዝገለፁ፡፡
መንግስቲ ኢንዳስትርያላዊ ምዕባለ ንምርግጋፅ ዝተጉዓዞ ነዊሕ ርሕቐት፤ ኣብ ትግራይ ተፈጢረን ዘለዋ ትካላት ኢንዳስተሪ ዉለቀ ሰብ ሃፍትን ትእምትን ኣብ ምፍጣር ዕድል ሸቕሊ ኮነ መፃኢ ብሩህ ዘበን እዛ ሃገር ካብ ብሕዚኡ የበስራ ምህላወን ምዕርኣይና ኣሐጒስና እዩ፡፡እንኳዕ ‘ ኳ ተጋሩ ኮንና ፣እንኳዕ መስዋእቲ ጀጋኑ ሰማእታትና ከንቱ ኣይተረፈ፤ ዓወት 20 ጉንበት ፍረ ኣፍርዩ ኣብ 25 ዓመታት ናብ ከምዚ ዝኣመሰለ መድረኽ ምብቃዕና ብትግራዋይነትና ዝያዳ ክንኮርዕ ጌሩና እዩ ክብሉ እዮም ተዛሪቦም፡፡
ይኹን እምበር ኣሸምባይዶ ሕዚ እቲ ይካየድ ዘሎ ልምዓት ብ ዓይንና ሪኢና ፤እቲ ቀደም ብቴሌቪዥን እንዳርኣና እንትንሕጎስ ፀላእትና ዘየለ ልምዓት ይንገረና ከምዘሎ፤ እዛ ሃገር ናብ ምፍራስን ምብትታንን እያ ተምርሕ ዘላ ኢሎም ርካሽ ፕሮፓጋንዳ እንትነዝሑና እውን መኪትናዮም ኢና፡፡
ሕዚ እውን እዛ ሃገር ቢልዮናት እናፍሰሰት ልምዓት ተረጋግፅ ዘላ ምዃና፤ ተስፋ ዘለና ሃገር፤ ተስፋ ዘለና ተጋሩ ኢትዮጵያውያን ምዃንና ሕዚ እውን ብሰላማዊ ፖለቲካዊ ቃልሲ ንምምካት ከምቀደምና ድልዋት ኢና ክበሉ እዮም ኣረጋጊፆም፡፡
ትግራዋይ ኣብ ዘበነ ኣክሱም ግዙፍ ስልጣነ ዝሰርሐ እንትኾን ንሕና ድማ ኣብ ዘበንና ንወለዶ ዝሰግር ቅያ ልምዓት ሰሪሕና ክንሓልፍ ኣብ ቃልሲ ኣንፃር ድኽነት ምህላውና ከም ተጋሩ ዘሐጉሰናን ዘኩርዓናን እዩ ዝበሉ እዞም ዑደተኛታት ብፍላይ ተጋሩ ካብቲ ፃዕራማትን ሰራሕቲ ታሪኽ ምኳንና እቲ ኣቀባብላ ጋሻና ከም ቀደሙ እዩ ዘሎ እዙይ ድማ ኣብ ዝበፃሕናዮ ከባቢ ዝተገበረልና ኣቀባብላን እንግዶትን ብትግራዋይነትና ዝያዳ ክንኮርዕ እዩ ጌርና እዮም ኢሎም፡፡
ስለዚ ህዝቢ ምዕራብ ትግራይ ከምቲ ኩሉ ትግራዋይ ናይ ሰናይ ምምሕዳር ፀገማት ይፈትሐልና ኢሉ ካብ ምቅላስ ወፃኢ ናይ መንነት ሕቶ ዘይብሉን ትግራዋይነቱ ኣረጋጊፁ ዝሓደረን ስለዝኾነ በዚ ነቓዕ እንተረኸብና ኢሎም ዝሓስቡ ሓይልታት እንተልዮም እውን ካብ ብሕዚኡ ተስፋ ክቖርፁ ከምዘለዎም እዮም ኣረጋጎፆም፡፡
ርእሰ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ኣይተ ኣባይ ወልዱ ብግድኦም ኣብዚ እዋን እዚ ከምዚ ዝበለ ናይ ተመኩሮ ልውውጥ መድረኽ በቲ ሓደ ገፅ ተመኩሮ መሰረት ዝገበረ ትምህርቲ ንምውሳድ በቲ ካሊእ ገፅ ድማ ፀገማት ሰናይ ምምሕዳር ከመይ ይፍታሕ ከምዘሎ ንምርኣይን ርክብ ህዝቢ ንህዝቢ ንምጥንካርን ምችው ኩነታት ዝፈጥር ከምዝኮነ እዮም ገሊፆም፡፡
እዚ ኣብ ድሮ 20 ጉንበት ዘካየድኩሙዎ ዑደት ልዕሊ 60 ሽሕ መስዋእቲ ህይወት ፤ልዕሊ 100 ሽሕ ድማ መጉዳእቲ ኣካል ተኸፊልዎ ዝተረጋገፀላ ዕለት ከምዝኾነትን ኩሉ መከራ ሓሊፉ ናብ ብርሃን ዘብቅዐት ምዃና እዮም ተዛሪቦም፡፡
ህዝቢ ትግራይ ብሄራዊ ቃልሲ ኣካይዱ ኣብ ምዕራብ ትግራይ ብፍላይ ወልቃይትን ፀገዴን ቃፍታ ሑመራን ዝነበሩ ገዛእቲ ደርብታት እቲ ከባቢ ቆሪሶም ክወሃብ ብምግባር ህዝቡ ክብተን ብምግባር ክዳከምን ናብ ዘይምልከቶ ከባቢ ተፀጊዑ ክነብር ጌሮሙዎ እዮም ኢሎም፡፡
ፀኒሑ ድማ ብ ደቡብ ትግራይ ድሕሪ ቀዳማይ ወያነ ቆሪፅካ ብምሃብ ሓይሉ ክዳኸም፣ ሰጥ ኢሉ ክግዛእ ሃቂኖም ተግቢሮሙዎ እዮም ዝበሉ ኣይተ ኣባይ ወልዱ፤ካብዙይ ንላዕሊ ድኽነትን ስደትን በርቲዑ ትምህርቲ ኣብ ዕብይ ዕብይ ዝበላ ከተማታት ፤ጥዕና እውን ብተመሳሳሊ ኣብ ኣዝዩ ዉሱን ከባቢ ጥራሕ ምንባሩ እዮም ሓቢሮም፡፡
ብዛዕባ ልምዓት ኣናእሽቲ ከተማታትን ገጠርን ዘይሕሰብ ከምዝነበረ ዘመልከቱ ኣይተ ኣባይ ወልዱ፤ህዝቢ ትግራይ ጠምዩ ደንቊሩን ደኽዩን ስለዝነበረ ብሄራዊ ቃልሲ ከካይድ ክምእተገደደን ሓቀኛ ዕላማ ሒዙ ስለዝተቓለሰ ድማ ከምዝተዓወተን ህዝቢ ትግራይ ሳላ ዝኸፈሎ መስዋእቲ 25 ዓመታት ናይ ሰላምን ልምዓትን ዓመታት ክሪኢ ከምዝኸኣለ ተዛሪቦም፡፡
ፀላእቲ ህዝቢ ትግራይ ግና ድሕሪ 25 ዓመታት እውን ብብረታዊ ቃልሲ ዝተስዓሩ ሓይልታት ገለ ተረፍ መረፍ ሒዞም ነዚ ተረኺቡ ዘሎ ሰላም ክዘርጉ ሕቶ መንነት ኢሎም ግራይ ሕቶ ሒዞም ይንቀሳቐሱ ከምዘለዉን ፤ እዚ ተንኮል ጉንቦት 7ን ሻዕብያን ምዃኑ ተገንዚብና ዋላ ንእሽተይ ቦታ ክንህቦም የብልናን እዮም ኢሎም ርእሰ ምምሕዳር ኣባይ ወልዱ፡፡
ነቲ ንሕና ኣሎ ዝበልናዮ ፀገም ሰናይ ምምሕዳር ንሶም ከምዘልዓልዎ ኣምሲሎም ብምዝራብን መባኣሲ ንምግባርን ይፍትኑ ከምዘለውን ሕዚ እውን ካልኦት ተንኮላት ክፍሕሱ ስለዝኽእሉ ነቒሕና ክንቃለሶም ይግባእ እዮም ኢሎም፡፡ኣብ ከይዲ ነቶም ዝለኣኹዎም ኮራኹሮምን ጎተቶምን ኣብ ማይዳ ዝወግሖም ኣዛብእ ክንገብሮም ኢና እዮም ኢሎም ኣይተ ኣባይ ወልዱ ፡፡ ፋብሪካ ሽኮር ወልቃይት እንትዛዘም ዘመናዊ መስኖ ክጋፋሕ፣ ፋብሪካ ክሰፍሕ፣ ፋብሪካ ቀለብ እነስሳ ክትከል ምዃኑን ኣብ ዞባ ምዕራብ ትግራይ ዓበይቲ ከተማታተ ክፍጠራ ምዃነን ተዛሪቦም፡፡ንሻዕቢያ ኣቃቢፅና ግድባት መስኖ ክስርሑ፤ኣግሮ ፕሮሰሲንግ ፓርክ ኣብ ጎልጎል ሑመራ ክትከል፡ኤክስፖርት ክሳለጥ፤ ካብ ፀገዴ ንምብራቕ ማይ ጋባ ብ ዓዲ ሕርዲ ፣ንምዕራብ ናብ ባዕኸር፣ መንገዲ ኣስፋልት ከምዝጋፋሕ፤መስተ ማይ፣ ቴሌ፣ መብራህቲ፣ቱሪዝም፣ዓብዪ ትኹረት ተዋሂቡዎ ክስራሕ ምዃኑ ተዛሪቦም፡፡ህዝቢ ምዕራብ ትግራይ ኣብቶም ስራሕቲ ልምዓትን ምንጋስ ሰናይ ምምሕዳርን ከም ቀደሙ ክድግፍ ፀዊዖም፡፡