Widgetized Section

Go to Admin » Appearance » Widgets » and move Gabfire Widget: Social into that MastheadOverlay zone

እቲ ሓድሽ ወለዶ ካብ ጅግንነት ኣያታቱ ክመሃር ይግባእ ተባሂሉ…

new generation
መቐለ ሚያዝያ 25/2008(ድወት) ኢትዮጵያ ናብ ዝነበረቶ ህዳሰ ንምምላስ ኣብዝግበር ፃዕሪ እቲ ሓድሽ ወለዶ ጅግንነት ካብ ኣያታቱ ክወርስ ከምዝግባእ ሚኒስትር ባህልን ቱሪዝምን ኢንጅነር ኣይሻ መሓመድ ተዛሪበን።

እተን ሚኒስትር መበል 75 ዓመት መዓልቲ ሓርበኛታት ኢትዮጵያ ምኽንያት ብምግባር ምስ ፋና ብሮድካስቲን ኮርፖሬት ኣብ ዘካየድኦ ዘተ ከምዝገለፅኦ ኣያታትና ሃገራዊ ምርድዳእ ብምፍጣር ብሓበራዊ ቕልፅም ንፀላኢ ብዓወት ከምዝሳዓሩ ኩሉ እቲ ሓድሽ ወለዶ’ውን ነዚ ሃገራዊ ምርድዳእ ብምድጋም ሃገሩ ናብ ዝነበረቶ ህዳሰ ንምምላስ ኣብዝግበር ፃዕሪ ክረባረብ ይግባእ።

መበል 75 ዓመት በዓል መዓልቲ ሓርበኛታት ብዝተፈላለዩ ምድላዋት እንዳተኸበረ እንትኾን “ንነፃነት ብዘካየድናዮ ቃልሲ ዝረኸብናዮ ዓወት ኣብ ቃልሲ ፀረ-ድኽነት ብምርግጋፅ ህዳሰና ሃግዲ ንገብር ኢና” ብዝብል መሪሕ ቃል እንዳተኸበረ እዩ።

ነቲ በዓል ኣመልኪቱ ኣብዝተኻየደ ዓውደ መፅናዕቲ ኣያታትና ብዝኸፈልዎ መስዋእቲ ሎሚ ይምዝገብ ንዘሎ ልምዓትና በሪ ዝኸፈተ’ዩ ተባሂሉ።

እቲ ታሪኽ ብምሕላው እቲ ወለዶ ሎሚ’ውን ንልምዓትን ሰላምን ጠጠው ብምባል ህዳሰ ሃገሩ ጋህዲ ክገብር ከምዝግባእ ተገሊፁ።