Widgetized Section

Go to Admin » Appearance » Widgets » and move Gabfire Widget: Social into that MastheadOverlay zone

ኣብቶም ዝሓለፉ ሸዱሽተ ኣዋርሕ ን939 ፕሮጀክታት ፍቓድ ኢንቨስትመንት ተዋሂቡ…

መቐለ ግንቦት 02/2008(ድወት)ኣብቶም ዝሓለፉ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ን939 ፕሮጀክታት ፍቓድ ኢንቨስትመንት ከምዝተውሃበ ቢሮ ልምዓት ከተማ፣ ንግድን ኢንዳስትርን ክልል ትግራይ ኣፍሊጡ።

ኣብዚ ዓመት ን646 ፕሮጀክታት ፍቓድ ንምሃብ ተተሊሙ ኣብቶም ዝሓለፉ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ልዕሊ ትልሚ ን939 ፕሮጀክታት ልምዓት ፍቓድ ኢንቨስትመንት ከምዝተውሃበ ክኢላ ርክብ ህዝቢ እቲ ቢሮ ኣይተ ክብሮም ወልዳይ ተዛሪቦም።

ካብቶም ሓዱሽ ፍቓድ ኢንቨስትመንት ዝተውሃቦም ፕሮጀክታት 147 ኣብ ኢንዳስትሪ ማኒፋክቸሪንግ፣ 140 ኣብ ሕርሻ፣ 198 ኣብ ሆቴልን ቱሪዝምን፣ 443 ኣብ ህንፀት ሾሞንተ ኣብ ማሕበራዊ ግልጋሎት ሰለስተ ድማ ኣብ መዓድን ከምዝኾኑ ሓቢሮም።

እዞም ፕሮጀክታት ልምዓት ብዝፈጠርዎ ዕድል ስራሕ ንልዕሊ 42ሽሕ ወገናት ብግዝያውን ቐዋሚን ዕድል ስራሕ ክረኽቡ ከምዝተገበረ እቲ ቢሮ ገሊፁ።

ብመንፅር ዝተመዝገበ ርእሰ ማል ልዕሊ 9.8ሚልዮን ቅርሺ ከምዝኾነ ዝገለፁ ኣይተ ክብሮም ዓውደ ኢንቨስትመንት ክልልና ንምዕባይ ን368 ሰብ ውልቀ ሃፍቲ ውሽጢ ዓድን ወፃእን ተጠቀምቲ ነፃ ቐረፅ ካብ ምግባረ ብዝሰገረ እፎይታ ግብሪ ክረኽቡ ከምዝተገበረ ኣመልኪቶም ክብል ቢሮ ርክብ ህዝብን መንግስትን ዝለኣኸልና ሓበሬታ የመልክት።