Widgetized Section

Go to Admin » Appearance » Widgets » and move Gabfire Widget: Social into that MastheadOverlay zone

ተረበሓይነት ህዝቢ ዘረጋገፁ መደባት ተሳሊጦም- ርእሰ ምምሕዳር ኣባይ ወልዱ

Abay Weldu1_4
መቐለ፣ ግንቦት 18፣ 2008(ድወት) ህዝቢ ትግራይ ኣብ ሃገርና ዝነበረ ፓለቲካዊ ኩነታት ብምግምጋም ዝጀመሮ ቃልሲን ብዝረኸበ ዓወትን ኣብቶም ዝሓለፉ 25 ዓመታት ኣብ ኩሎም ዓውድታት ዓበይቲ ለውጥታት ከምዘመዝገበ ርእሰ ምምሕዳር ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ኣይተ ኣባይ ወልዱ ገሊፆም፡፡

ክቡር ርእሰ ምምሕዳር ኣባይ ወልዱ ነዚ ዝገለፁ ብምኽንያት መበል 25 ዓመት በዓል ብሩር ኢዮቤልዮ ዓወት 20 ግንቦት ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለፂ’ዩ፡፡

ህዝቢ ትግራይ ኣብ ልዕሊኡ ተዳዕኒኑ ንዝነበረ ድክነት፣ድሕረት ወፅዓን ብሄራዊ ጭቖናን ንምቅላል ን17 ዓመታት ተቃሊሱ ምስ ኩሎም ውፅዓት ህዝብታት ኢትዮጵያ ኮይኑ ኣብ 1983ዓ.ም 20 ግንቦት ነቲ ዋርድያ ድክነትን ድሕረትን ዝነበረ ስርዓት ወጊዱ’ዩ ዝበሉ ኣይተ ኣባይ ኣብቶም ዝሓለፉ 25 ዓመታት ተረባሒ ሰላምን ልምዓትን ህንፀት ስርዓት ዲሞክራሲን ኮይኑ ይርከብ ኢሎም፡፡

ሳላ ዝኸፈሉ መስዋእትን ዘካየዶ መሪር ብረታዊ ቃልስን ኣብቶም ዝሓለፉ 25 ዓመታት ኣብ ፓለቲካዊ፣ቁጠባዊ፣ማሕበራዊን ዲፕሎማስያውን ዓውድታት ዓበይቲ ዓወታት ዝተረኸቡ ኮይኖም ብፍላይ ኣብ መዳይ ቁጠባ ኣብ ክልልና ኣብ 1983ዓ.ም 75 ሚኢታዊ ዝነበረ ኣብ ትሕቲ መስመር ድኽነት ዝነብር ህዝቢ ኣብዚ ሓዚ እዋን ናብ 23 ሚኢታዊ ከምዝነከየ ሓቢሮም፡፡

እዚ ብቐንዱ ብልዑል ተሳትፎ ህዝቢን ብመሪሕ ውድብ ዝተሓንፀፁ ፓሊስታትን ስትራተጂታትን እዮም ዝበሉ ኣይተ ኣባይ ገጠር ኣብ ዓውደ ሕርሻ ኣብ ከተማታት ድማ ኣብ ስራሕቲ ትካላት ንግዲ ደቀቅትን ኣናእሽትን ብዝምዝገብ ዘሎ ለውጢ ምዃኑ ሓቢሮም፡፡

ቅድሚ 1983ዓ.ም ሃገር ከምሃገር ናብ ሓደጋ ምብትታን ተምርሕ ነይራ ዝበሉ ርእሰ ምምሕዳር ኣባይ ወልዱ ነዚ ናብ ዝሓሸ መደላድል ንምምፃእ ዘኽእል ስርዓት ፌደራሊዝም ተሓንፂፁ ብሄራት ብሄረሰባትን ህዝብታት ኢትዮጵያ ኣብ ፅኑዕ ሓድነት ዘንበረ ሕገ-መንግስታዊ ስርዓት ከምዝተጣየሸ ገሊፆም፡፡

ህዝቢ ትግራይ ኣብ ዕጥቃዊ ቃልሲ ዝነበረ ልዑል ብፅሒት ሓዚ’ውን ኣብ ብርክት ዝበሉ ዓውድታት ልምዓት መሪሕ እጃሙ እናወፈዩ’ዩ ዝበሉ እቶም ርእሰ ምምሕዳር ውፅኢት ቃልሱ ዝኾኑ ብርክት ዝበሉ ረብሓታት ይረክብ ዋላኳ ተሃለወ ኣብ ምርግጋፅ ሰናይ ምምሕዳር ዝተርፉ ዓበይቲ ስራሕቲ ከምዘለው ገሊፆም፡፡

ኣብቶም ዝሓለፉ 25 ዓመታት ኣብ ማሕበራዊ፣ፓለቲካዊ፣ቁጠባዊን ዲፕሎማስያዊን ዓውድታት ዝነበሩ ዓበይቲ ስራሕቲ እንተሃለው’ውን ሓዚ ነዞም ዝተረኸቡ ዓወታት ዘዕንቅፉ ተግባርን ኣተሓሳስባን ኣካብነት ክራይ፣ፀቢብነትን ትምክሕትን ቐንዲ ማሕለኻታት ምንባሮም ኣዘካኪሮም፡፡

ነዞም ዕንቅፋት ልምዓትና ዝኾኑ ተፃበኦታት ንምምካትን ልምዓትን ሰናይ ምምሕዳርን ንምርግጋፅን ብቐፃሊ ኣብ ዝተትሓዙ ዓበይቲ መደባት ዝተዋደደን ዝተጠናከረን ተሳትፎ ሕብረተሰብ ወሳኒ ምዃኑ ኣተሓሳሲቦም፡፡

ርእሰ ምምሕዳር ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ኣይተ ኣባይ ወልዱ ንመላእ ህዝቢ ትግራይ ብፍላይ ንህዝብታት ኢትዮጵያ ድማ ብሓፈሻ እንኳዕ ንመበል 25 ዓመት በዓል ዓወት 20 ግንቦት ኣብፀሓኹም ብምባል ሰናይ ትምኒቶም ገሊፆም፡፡