Widgetized Section

Go to Admin » Appearance » Widgets » and move Gabfire Widget: Social into that MastheadOverlay zone

ማሕበር ልምዓት ትግራይ ጨንፈር ጀርመን ንዩኒቨርሲቲ ዓዲግራት ናውቲ ሕክምና ብሓገዝ ኣበርኪታ።

TDA

ማሕበር ልምዓት ትግራይ ጨንፈር ጀርመን ግምቶም ልዕሊ 1.3 ሚልዮን ብር ዝኾኑ ንከይዲ ምምሃር ምስትምሃር ዝሕግዙ ናውቲ ሕክምና ምስ ኢትዮዊተን ዝተብሃለ ትካል ብምትሕብባር ንዩኒቨርሲቲ ዓዲግራት ብሓገዝ ኣበርኪታ።

ኣብቲ ስነ-ስርዓት ርኽክብ ተረኺቦም ዘረባ ዘስመዑ ኣብ ዋና ቤት ፅሕፈት ማሕበር ልምዓት ትግራይ ዳይሬክተር ዳይሬክቶሬት ትልሚ፣ ክትትልን ኮሙዩኒኬሽንን ኣይተ ሰለሞን ሕሉፍ ከምዝበልዎ ማሕበር ልምዓት ትግራይ ጨንፈር ጀርመን ኣብ ጀርመን ንዝነብሩ ተጋሩ፣ ፈተውትን ደገፍትን ኣባላትን ማ.ል.ት ብምትሕብባር ቅድሚ ሕዚ’ውን ኣብ ትሕቲ ዩኒቨርስቲ መቐለ ንዝርከብ ሪፈራል ሆስፒታል ዓይደር ንከይዲ ምምሃር ምስትምሃር ዝሕግዙ ዝተፈላለዩ ናውቲ ሕክምና እናሓገዘት ፀኒሓ’ያ። ሎሚ’ውን ምስ ዩኒቨርስቲ ዓዲግራት  ብዝፈጠረቶ ስጡም ርክብ ንዝተፈላለዩ ግልጋሎት ሕክምና ዝውዕሉ ግምቶም ልዕሊ 1.3 ሚልዮን ብር ዝኾኑ 83 ናይ ዓበይትን ህፃናትን ዘመናዊ መደቀሲ ሕሙማት ዓራት፣ ንከይዲ ምምሃር ምስትምሃር ክፍሊ ሕክምና እቲ ዩኒቨርስቲ ዝውዕሉ ማይክሮስኮፖትን ካልኦት ናውቲ ሕክምናን ብነፃ ከምዘበርከተት ተዛሪቦም።

ኣብ ዩኒቨርስቲ ዓዲግራት ምክትል ኣካዳሚክ፣ ምርምርን ግልጋሎት ማሕበረሰብን ዶክተር ኣለም መብራህቱ ብወገኖም እቶም ናውቲ ሕክምና ኣብ ምርግጋፅ ፅሬት ትምህርቲ ናይ ባዕሎም ግደ ከምዘለዎም ብምሕባር ንማሕበር ልምዓት ትግራይ፣ ኣብ ሃገረ ጀርመን ንዝነብሩ ተጋሩ ማሕበረሰብን እቶም ኣቑሑት ካብ ጀርመን ክሳብ ጠረፍ ጅቡቲ ብነፃ ንዘጓዓዓዘ GIZ ዝተብሃለ ዘይመንግስታዊ ትካልን ዘለዎም ናእዳ ገሊፆም።

ኣብ ዩኒቨርስቲ ዓዲግራት ክፍሊ ትምህርቲ ሕክምና ብሞያታት ፐብሊክ ሄልዝ፣ መዋልዳን፣ ነርስን ጥዕና መኮነን ዝመሃሩ ልዕሊ 1,200 ተምሃሮ ከምዘለው ዝሓበሩ ምክትል ኣካዳሚክ፣ ምርምርን ግልግሎት ማሕበረሰብን ዶክተር ኣለም መብራህቱ እቶም ተምሃሮ ካብቲ ዩኒቨርስቲ ወፃኢ ብተግባር ሞያው ትምህርቲ ኣብ ሆስፒታል ዓድዋ እናኸዱ ስለዝመሃሩ ነቲ ከይዲ ትምህርቲ ንምሕጋዝን ቅድሚ ሕዚ ኣብቲ ሆስፒታል ንዝነበረ ሕፅረት መደቀሲ ሕሙማን ንምቕራፍን 50 ናይ ዓበይቲ 12 ድማ ናይ ህፃናት ብድምሩ 62 ዘበናዊ ዓራት ካብቲ ብማ.ል.ት ዝተረኸበ ሓገዝ ንሆስፒታል ዓድዋ ከምዝውሃብ ወሲኾም ሓቢሮም።